ሕጂ'ውን ቃልሲ ዘድልዮ ክሽቦ ደቀኣንስትዮ

ንኽንሸባ ዝተዳለወት ህፃን Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ 06 ለካቲት ከም ዓለማዊ ኣህጉራዊ መዓልቲ ኣንጻር ምኽንሻብ ደቀንስትዮ

ዓለማዊ ኣህጉራዊ መዓልቲ ኣንጻር ምኽንሻብ ደቀንስትዮ ግዱሳት ዜጋታት፡ ተጣበቕትን ተኸላኸልትን መሰላት ደቀንስትዮ ማሕበራት፡ ምሁራት ደቀንስትዮ፡ ፖለቲከኛታት፡ ኮታ ኩሎም ንምኽንሻብ ደቀንስትዮ ዝከላኸሉን ዝጣበቑን ወገናት ዓቕሞም ዘበርክቱላ እያ።

ኣብ ገሊኡ እውን እተን ብሰንኪ ምኽንሻብ ዝተፈላለየ ጥዕናዊ ወጽዓታት ዘጋጠመን ደቀንስትዮ ኣብ ቅድሚ መሰልተን ኮነ ክሰምዑን ክርድኡን ዘለዎም ዓበይቲ ዓድን ሽማግለታትን ቀሪበን ተመኩሮአን የቕርባ።

ንኣብነት፡ ካብ 2006-2018 ዘገልገላ መበል 24ይቲ ፕረሲደንት ላይበርያ፡ እኳድኣ ቀዳመይቲ፡ ብግቡእ ዝተመርጻ ኣፍሪቃዊት መራሒት-መንግስቲ ጓል'ንስተይቲ አለን ጆንሶን ሰርሊፍ፡ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ድሮቲ ሓላፍነት-መንግስቲ ዘረከባሉ እዋን ክልከላ-ክንሸባ ኣዊጀን።

Image copyright ከዲጃ ዓሊ
ናይ ምስሊ መግለጺ መሰል ደቂ-ኣንስትዮ ሰብኣዊ መሰል'ዩ ብምባል ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ንምውጋድ ክሽቡ ይጽዕራ ኣለዋ

ብዕድመአን ኮነ ብስልጣነን፡ እሞ ከኣ ከም ኣደን ጓለንስተይትን መጠን ነቲ ጉዳይ ቀልጢፈን ክሕለቓሉን ክትግብሮአን ይግባእ ነይሩ ዝበሉ ላይበርያውያን፡ "ክሳብ ሕጂ ድኣ ኣበይ ነይረን?" ዝብል ሕቶ የቕሩብለን።

ምኽንያቱ፡ ላይበራውያን ደቀ'ንስትዮ ኣብ ልዕሊ ማዳም-ፕረሲደንት ከም ክልካለ-ክንሸባ ዘኣመሰሉ ለውጥታት ከተኣታትዋ ትጽቢት ስለዝነበረን እዩ ብምድንጓየን ቅሬተአን ዝገለጻ። ን12 ዓመታት ዝኣክል ኣብ ስልጣን ጸኒሐን ከብቅዓ ኣብ ድሮ ምኻደን እውጅ ኣቢለን ዝዕዘራ ስለምንታይ ብምባል ብዙሓት ኣይተሓጎሱን።

ኣብ ኤርትራ ምኽንሻብ ጓለንስተይቲ ክልኩል እዩ። ኣብቲ ዓሚ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ኣስማጥን ሃበሮን ዝተኻየደ በዓል ምዝኽኻር ተቓውሞ ንምኽንሻብ ደቀንስትዮ፡ ሓላፊት ዩኒሴፍ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ሚስ ራንያ ዛኪ፡ ኤርትራ ብእተካይዶ ዘላ ልዑል ጻዕርን ኣብነታዊ ስራሕን ምኽንሻብ ደቂ-ኣንስትዮ ምሉእ ብምሉእ ከተወግድ ልዑል ተኽእሎ ምህላዉ ገሊጻ ነይራ።

Image copyright Getty Images

ንናጽነት ቃለሲ ኤርትራ ዝቃለስ ዝነበረ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ከም ፕረዚደንት ላይበርያ ነበር አለን ጆንሶን ሰርሊፍ ክሽቦ ደቀንስትዮ ንምዕጋት ኣይተደናጎየን።

ኣብ እዋን ሓርነታዊ ተጋድሎ ከይተረፈ፡ ኣብ ብዙሕ ሓራን፡ ሓውሲ-ሓራን ከባቢታት ኤርትራ ምኽንሻብ ደቀንስትዮ ቀልጢፉ እዩ ኣጊዱዎ።

ብሰንኪ እቲ ብህዝብን ግዱሳትን ዝተገብረ ጎስጓስን ጻዕርን ከምቲ ልእኽቲ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኤርትራ ዝበለቶ፡ ሳላ ሓያል ውህደት ህዝብን ኣካላት መንግስትን ማሕበራትን፡ ኤርትራ ክሽቦ ደቀንስትዮ ምሉእ ብምሉኡ ንምውጋድ ኣይክሽግራን እዩ።

ይኹን እምበር እቲ ብልጫታትን ዓወትን ኣብ ቦትኡ እኳ እንተሎ ኣብቲ ብዙሕ ሓበሬታ ዘይበጽሖ ርሑቕ ገጠራት ይኹን ኣብ ሓደ ሓደ ክፋል ሕብረተሰብ ምኽንሻብ ብስቱር ክህሉ ከምዝኽእል ይግመት።

ኤርትራውያን ምሁራት ደቀንስትዮ ዶር ኣስያ ዓብደልቃድር ካብ ኬንያ፡ ከምኡ እውን ነርስ ከዲጃ ዓሊ ካብ ለንደን፡ ምኽንሻብ ኣብ ደቀንስትዮ ኣካላውን ስነአእሙሮኣውን ጥዕና ስለዘስዕብ ፈጺሙ ክውገድን መላእ ሕብረተሰብ ክቃለሶን ኣለዎ ብምባል ንውጋዱ ረጊጸን ካብ ዝንቀሳቐሳ ዜጋታት እየን።

መራሒት ደቀ'ስትዮ ምንቅስቓስ-ሰላም፡ ላይበርያዊት ወ/ሮ ለይማ ግቦዊ፡ ምስ ፕረሲደንት አለን ጆንሶን ሰርሊፍ ሓቢረን ብ2011 እቲ ዝለዓለ ናይ ሰላም ብልጫ-ኖብል ተቐቢለን።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ዶክተር ኣስያ (የማን)

ንሰን ንቢቢ.ሲ. ከም ዘውክእኦ፡ "ፕረሲደንት ሰርሊፍ ንደቀ'ንስትዮ ብዘርኢ ኣጀንዳ ኣይሰተራናን" ይብላ። ይዅን'ምበር፡ ፕረሲደንት ሰርሊፍ፡ እቲ ተጻዒኑወን ዝነበረ ጕዳይ ክንሸባ፡ ስልጣን ኣብ ምርካበን እውን እንተኸነ ተቢዐን ዉሳኔ ብምሕላፍ ክሽቦ ደው ክብል ኣዘዛ።

እቲ ዉሳኔ ንትሕቲ 18 ዕድሚኤን ዝምልከት ኰይኑ ካብ ጐነጽ'ውን ዝከላኸለንን ምዃኑ ተገሊጹ።

ፕረሲደንት ሰርሊፍ "ኣብ መስርሕ ዘሎዉ ሕግታት ላይበርያ ብዘይ ክልከላ-ክንሸባ ኣይምሉኣትን'ዮም" ከምዝበላ ፈነወ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ይሕብር። ናይ ላይበርያ ናይ ጾታ-ሚኒስተር ወ/ሮ ጁልያ ዳንከን ከኣ "እዚ ዉሳኔ'ዜ ዓቢ ዉርሻ'ዩ" ክብላ ሞጊሰንኦ። ብሓጺሩ፡ ነቲ ዉሳኔ፡ ደገፍተን ከመጕስዎ፡ ተጻረርተን ድማ "ክሳብ ሕጂ ድኣ ኣበይ ነይረን" ከምዝብሉ ገይሩዎም ኣሎ።

ንምዃኑ ጕዳይ ክንሸባ ዞባና ከመይ ይመስል?

ብሕጊ ክልኩል፡ ብሕክምናዊ ጠመተ ከቶ ኣድላይነት ዘይብሉ ክነሱ ምኽንሻብ ደቀ'ንስትዮ ኣብ ብዙሕ ክፋላት ኣፍሪቃ ይቕጽል ኣሎ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ'ውን ኣዝዩ ግኑን'ዩ፡ እንኮላይ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን።

ምኽንሻብ ደቀ'ንስትዮ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ 2004፡ ኣብ ኤርትራ ኸኣ ካብ 2007 ብሕጊ ክልኩል'ዩ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ምኽንሻብ ደቀኣንስትዮ ኣብ ዘይተምሃረን ግንዛበ ኣብ ዘየዕበየን ሕብረተሰብ ብስፍሓት ይፍፀም

ዶረ ኣስያ ዓብደልቃድር፡ ምኽንሻብ ንደቂ'ንስትዮ ዝጎድእ፡ ንሰብኣዊ ክብረተንን መሰለንን ዝግህስ፣ ነባሪ በሰላ ዝገድፍ ዘይስነፍልጠታውን ሓደገኛን ብምዃኑ ፈጺሙ ክተርፍ ኣለዎ ትብል።

ኣብዚ እዋን እዚ ንሓደ ገባሪ ሰናይ ትካል ጀርመን ወኪላ ኣብ ዕቤትን ምዕባለን ደቀንስትዮ ኣብ ዘድሃበ ንጥፈታት ኣብ ሶማሊ ላንድ ትሰርሕ ዘላ ዶረ ኣስያ እቲ ናይ ማስተር መጽናዕታ ኣብ ምኽንሻብ ደቀንስትዮ ኣብ ኤርትራ ዝተሞርኮሰ ብምኻኑ ክሽቦ ፈጺሙ ክውገድ ከምዘለዎ እያ ደጋጊማ እትሕብር።

ነርስ ከዲጃ ዓሊ እውን፡ ብፍላይ እቲ ገሊኡ ዓይነት ክሽቦ ኣዚዩ ሃሳይ ብምዃኑ፡ ንደቀንስትዮ ኣብ ግዜ ወሊድ ዓቢ ጸገም ከምዝፈጥረለን ብምሕባር፡ ባህልን እምነትን ኣብ ምኽንሻብ ደቀንስትዮ ናይ ገዛእ ርእሱ ፅልዋን ጸቕጥን ስለዘለዎ ንምውጋዱ ኩሉ ኣባል ሕብረተሰብ ክተሓባበር ትጽውዕ።

ምኽንሻብ ጓለንስተይቲ ከም ክቱር ምድማይ፡ ናይ ምሻን ጸገማት፡ ረኽሲ፡ ዘይጸጋይነት፡ ጸገማት ሕርሲ ከምዘስዕብ ብመጽናዕትን ብምስክርነት ግዳያትን ተረጋጊጹ እዩ።

ብተወሳኺ፡ እተን ዘይተማህራ ከንሸብቲ ዝጥቀማሉ ከም ላማ፡ ካራ፡ በሊሕ ጥርሙዝን መቐዝን መሰልቲ መሳርሒ ጽሬቶምን ውሕስነቶምን ኣዚዩ ኣሰካፊ እዩ።

መንግስትታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ጠቕላሊ ቍጽሪ ክንሸባ ደቂ'ንስትዮ ካብቲ ዝነበሮ መጠን ምውራዱ ይነግራ እየን ይኹን'ምበር ነቲ ድሑር ልምዲ ካብ ሕጊ ተኸዊሉ ከም ዝዝውተር ርዱእ እዩ።

Image copyright Getty Images

ምዝውታር ጌና ድሕር ዘይበሉ ብዙሓት'ዮም።

ምኽንሻብ ደቀንስትዮ ብሕጊ ክልኩል ካብ ኰነ ንምንታይ እዩ ደኣ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ ተሓቢኦም ንደቆም ዘኸንሽቡ? እቲ ኣዋጅ ስለ ዘይሰምዕዎ ድዩ? ኣዋጅ ስለ ዘይዓጅቦም ድዩ? መቕርብኦም ሸለል ስለ ዝብልዎም ድዩ?

ጐራባብትን ኣዝማድን መራሕቲ ሃይማኖትን ምስ ከሸብትን ኣኸንሸብትን ስለ ዝመሻጠሩ ድዮ? ሓካይም ከም ዘይረኣዩ ስለ ዝዀኑ ድዩ? ወይ ኢደ-ሕጊ ስለ ዝሓጸረ?

ዝብል ሕቶታት ንኹሉ ሕብረተሰብ ዘተሓሳስቦ እዩ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ርእይቶአን ዝሃባ ዶክተር ኣስያን ከዲጃ ዓሊን ከኣ፡ ድላዩ ይኹን እቲ ምኽንያት ጓለንስተይቲ፡ ውላድ፡ ኣደ፡ ሓፍቲ፡ ስለዝኾነት ብስቓያ ዝሕጎስ ብወጽዓኣ ዝረክእ፡ ሓውን ኣቦን ክህሉ የብሉን በሃልቲ እየን።

ክሽቦ ደቀንስትዮ፡ ስነ-ፍልጠታውያን ዓለም ብተደጋጋሚ መብርሂ ዝሃብሉ፡ ኣንጻሩ ዝጐስጐስሉ፡ መንግስታት ሕግታት ዝኣወጃሉ ድሑር ባህሊ እዩ - ክተርፍ ጥራሕ እዩ ዘለዎ።