ሰልፊ ኤኤንሲ ምስ ፕረዚደንት ጃኮብ ዙማ "ውፅኢታዊ" ዝበሎ ዝርርብ ከምዝገበረ ተገሊፁ

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪካ ጃኮብ ዙማ Image copyright AFP / Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ጃኮብ ዙማ ምስ ብልሽውና ብዝተትሓሓዘ ካብ ስልጣን ንኽወርዱ ዝቐረበሎም ሕቶ ነፂጎም

ንደቡብ ኣፍሪካ ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ኤኤንሲ ንመፃኢ ዕድል ፕረዚደንት ጃኮብ ዙማ ከካይዶ ሓሲቡ ዝነበረ ኣኼባ ኣናዊሑ።

እቲ ሰልፊ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ምስቶም ፕረዚደንት "ውፅኢታውን ሃናፅን ዘተ" ከምዝተኻየደ ኣፍሊጡ።

ዙማ ብሰንኪ ብልሽውና ካብ ስልጣኖም ንኽወርዱ ብኣባላት ሰልፎም ከይተረፈ ዝበፅሖም ፀቕጢ ሓይሉ'ሎ።

ትማሊ ሰሉስ'ውን ዙማ ንፅባሕ ሓሙስ ክገብርዎ ዝተሓሰበ ህዝባዊ መደረ ምስራዙ ፓርላማ እታ ሃገር ዕላዊ ገይሩ'ዩ።

ደቡብ ኣፍሪካዊ መርበብ ሓበሬታ 'ታይምስ' ስሙ ንዘይገተገለፀ ፍልፍል ፀሪሑ ከምዝፀብፀቦ ኣብ መሰረታዊ ነገራት ምርድዳእ እንተተገይሩ ዙማ ካብ ስልጣን ድልው ኮይኖም ኣለው።

ን17ን 18ን ለካቲት ኣኼባ ከካይድ ተሓሲቡ ዝነበረ ሃገራዊ ላዕለዋይ ኮሚቴ (NEC) ብዘይገለ ስምምዕ ነቶም ፕረዚደንት ካብ ስልጣን ናይ ምውራድ ዓቕሚ ኣለዎ።

ወዲ 75 ዓመት ዙማ ንምኽትሎም ወዲ 65 ራማፎሳ መሪሕነት ሰልፊ ኤኤንሲ ኣረኪቦም እዮም። ሕዚ ድማ ስልጣን ፕረዚደንትነቶም ክቕበልዎም ትፅቢት ኣሎ።

ካብቲ ኣኼባ እንታይ ትፅቢት ይግበር ነይሩ?

ሰልፊ ኤኤንሲ ኣብ መፃኢ ዕድል ዙማ ንምውሳን ንረቡዕ ኣኼባ ከካይድ መደብ ሒዙ ነይሩ።

ኣባላት እቲ ሰልወፊ ነቶም ፕረዚደንት ዘለዎም ደገፍ እንተድኣ ኣቋሪፆም፡ ዙማ ዝቃወሙሉ ዓቕሚ ኣይክህልዎምን።

ብሰንበት ምስቶም ፕረዚደንት ተራኺቦም ዝዘተዩ ላዕለዎት መሪሕነት ኤኤንሲ ንዙማ ከእምንዎም ከምዘይከኣሉ ይዝረብ።

ገለ ፀብፃባት ከምዝብልዎ እንተኾይኑ፡ ዙማ ንሶምን ቤተሰቦምን ካብ ክሲ ነፃ ንክኾኑ ኣብቲ ኣኼባ ሕቶ ኣቕሪቦም ነይሮም።

ከስምዕዎ ዝተሓሰበ ህዝባዊ መደረ ንምንታይ ተሰሪዙ?

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ናብ ህዝቡ ቀሪቡ ዘረባ ከስምዕ ዝተለመደ ዓመታተዊ ተግባር እዩ።

ኣፈኛ ሓፈሻዊ ጉባኤ እታ ሃገር፡ እቲ ንሓሙስ ዝተሓሰበ ህዝባዊ መደረ ዝተሰረዘ ክፍጠር ንዝኽእል ዘይምርግጋእ ብምስጋእ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ካብ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ጃኮብ ዙማ ዝተውሃበ መግለፂ ድማ እቶም ፕረዚደንት ንኽናዋሕ ከምዝሓተቱ ይሕብር።

ኣብ ልዕሊ ዙማ ካብ ዝቐርቡ ክስታት

2005፡ ብ1999 ብሚልዮን ዶላራት ኣብ ዝግመት ስምምዕ ዕደጋ ኣፅዋር ዝተፈፀመ ብልሽውና - ኣብ 2009 ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምፅኦም ክስታት ውድቂ ኮይኖም

2016፡ ምስቲ ስምምዕ ብዝተትሓሓዘ ብ18 መዝገባት ክኽሰሱ ቤት ፍርዲ ኣዚዙ

2016፡ ገንዘብ መንግስቲ ተጠቒሞም ገዝኦም ምሕዳስ - ደሓር ድማ ነቲ ገንዘብ ክመልሱ ተገይሩ

2017፡ ብህንዳውያን ስድራ ምስ ዝውነን ኩባንያ ብዝነበሮመረ ርክብ ተረቢሖም እዮም ዝብል ክሲ፤ ንሶምን ኩባንያ 'ጉፕታ ፋሚሊ' ዘይተቐበልዎ

ተመሳሳሊ ዛዕባታት