ኪም ጆ-ዪንግ፡ ደቡብ ኮርያ ኣብ እተተኣናግዶ ክረምታዊ ኦሎምፒክ ከምዝርከባ ተገሊፁ

ኪም ዮ-ጆንግ - ኣብ 2015 ምስ ሓወን ዝተስኣልኦ Image copyright KCNA
ናይ ምስሊ መግለጺ ኪም ዮ-ጆንግ - ኣብ 2015 ምስ ሓወን ዝተስኣልኦ እንትኸውን ብማእኸል ወኪል ዜና ሰሜን ኮርያ ተፈንዩ

ሓፍቲ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ-ኣን ዓርቢ ኣብ ዝጅመር ክረምታዊ ኦሎምፒክ ከምዝርከባ ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ኣፍሊጦም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ኣባልነት ፖሊት ቢሮ ዝተፀምበራ ኪም ዮ-ጆንግ፡ ካብ ኣባላት ስድራ ኪም ዶብ ሰጊረን ሰሜን ኮርያ ዝኣተዋ ቀዳመይቲ ሰብ ክኾና እየን።

ኣብ መኽፈቲ ኦሎምፒክ፡ ክልትኤን ሃገራት ብሓንቲ ዓይነት ባንዴራ'የን ክውከላ።

ተሳትፎ ሰሜን ኮርያ ድማ ክልተኣዊ ርክባተን ንኽጥጥዕ መሰረት ዘንፅፍ ከምዝኸውን ይግለፅ።

ኮይኑ ግን ኣሜሪካ፣ ጃፓንን ካልኦት ሃገራትን፡ ሰሜን ኮርያ ነቲ ውድድር ንፕሮፓጋንዳ ተውዕሎ'ላ ብዝብል ይኸሳ።

ኪም ዮ-ጆንግ መን'የን?

ኣብ 1987 ከምዝተወለዳ መረዳእታታት ይሕብሩ። ካብ ሞንጎ ደቂ መራሒ ሰሜን ኮርያ ነበር ኪም ጆንግ-ኢል ብዕድመ ዝነኣሳ እየን።

ካብ ኪም ጆንግ-ኡን ብኣርባዕተ ዓመታት ይንእሳ። ምስ ሓወን ድማ ጥቡቕ ዝኾነ ርክብ ከምዘለወን ይዝረብ።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ኪም ዮ-ጆንግ ኣብ 2017

ኪም ዮ-ጆንግ ካብ ቀረባ እዋናት ናብዚ ተፈላጥነተን እናወሰኸ መፂኡ'ሎ። ናይዚ ምኽንያት ድማ ኣብቲ ወሳኒ ዝበሃል ክፍሊ ፕሮፓጋንዳ ስለዝሰርሓ ምስሊ ሓወን ብፅቡቕ ንምህናፅ ብዝገብርኦ ፃዕሪ እዩ።

ኣብ ሰሜን ኮርያ ብዝፍፀም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ድማ ኣሜሪካ ኣብ ፀሊም መዝገብ መዝጊባተን ኣላ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት