መንግስቲ ኬንያ 'ቃለ-መሓላ' ራይላ ኦዲንጋ ንዘፈፀሙ፡ ሚጉና ሚጉና ጠሪዛ

ኣብ ሹመት ራይላ ኦዲንጋ ዕዙዝ ግደ ዝነበሮም ሚጉና ሚጉና (ብፀጋም) ገፅ ዘለዉ፡ ንራይላ ኦዲንጋ ቃለ መሓላ እንተፈፅሙ። Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ሹመት ራይላ ኦዲንጋ ዕዙዝ ግደ ዝነበሮም ሚጉና ሚጉና (ብፀጋም) ገፅ ዘለዉ፡ ንራይላ ኦዲንጋ ቃለ መሓላ እንተፈፅሙ።

መንግስቲ ኬንያ፡ ጠበቓን ደጋፊ ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ውድብ (ሰልፊ ናሳ) ንዝኾኑ ሚጒና ሚጒና፡ መንግስቲ እታ ሃገር ዘይሕጋዊ እዩ ንዝበሎ "ነብሰ ስምያ ፕረዚደነትነት" ራይላ ኦዲንጋ ብምድጋፎም ጠሪዙዎም።

መንግስቲ እታ ሃገር ኬንያዊ ዜግነት ንዘለዎም ጠበቓ ሚጒና ብነፋሪት ናብ ኬንያ ዝጥርዞም ዘሎ። ብዙሓት ሰባት ግቡእ ኣይኮነን ይብሉ፡ መንግስቲ ኬንያ ግን ሚጒና ነዊሕ ይገብር ኬንያዊ ዜግነቶም ሰሪዞሞ እዮም ይብል።

መንግስቲ ኬንያ፡ ሃገራዊ ጥልመት'ዩ ንዝበሎ ስነ-ስርዓት ሹመት ራይላ ኦዲንጋ ብቐጥታ ዘመሓላልፋ ንዝነበራ መደበር ቴሌቬዥን እታ ሃገር፡ ፈነውአን ንከቋርፃ ኣገዲዱ እዩ።

ራይላ ኦዲንጋ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝተኻየደ ዳግማይ ፕረዚደንታዊ መረፃ ኬንያ፡ ንባዕሎም ብምግላል ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ተቓውሞኦም ኣስሚዖም እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ፡ ራይላ ኦዲንጋ ብመንግስቲ እታ ሃገር ተቐባልነት ዘይረኸበ ቃላ-መሓላ ድሕሪ ምክያዶም፡ "ነቲ ቃለ-መሓላ ዘፈፀመን ዝመርሐን" ጠበቓ ሚጒና ብኽልተ ለካቲት ፍርቂ ለይቲ ካብ ገዝኦም ብፖሊስ ተታሒዞም ኣብ ቀይዲ ውዒሎም።

ኣብቲ እዋን፡ ጭካነ፣ ኢ-ሰብኣውነትን ዘስካሕክሕ ተግባራትን ኣብ ዝተመልኦ ኩነታት ብዘይሕጋዊ መገዲ ንሓሙሽተ መዓልታት ከምዝተኣሰሩ ሚጒና ሚጒና ሚጒና ገሊፆም።

ትማሊ ሰሉስ ድማ፡ ካብ ከተማ ናይሮቢ ወፃኢ ኣብ ዝርከብ ቤት-ፍርዲ ጉዳዮም ተራእዩ፡ "ሕገ-መንግስቲ ብምጥሓስ፡ ፕረዚደንት ንዘይኮነ፡ ቃለ-መሓላ ስለዘፈጸምዎ ብክሕደት ሃገር ብገበን"ተኸሲሶም።

ዋላ እኳ እቲ ቤት-ፍርዲ፡ ሚጒና ሚጒና ብዋሕስ ክወፅኡ እንተበየነ፡ እዚ ግና ኣይተተግበረን።

ኣብ ማሕበራዊ ድሕረ-ገፃት ዝተፈነዉ ቪድዮታት ከምዝሕብርዎ፡ ሚጒና ናብ ካናዳ ንምኻድ፡ ናይ ኣምስተርዳም በረረኦም እዮም ይፅበዩ ነይሮም።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ኬንያ፡ እዚ ጉዳይ ሕዚ ዘካትዕ ኣይኮነን፡ ሚጒና ቅድሚ ዓመታት እዮም ኬንያዊ ዜግነቶም ዝከሓዱ ኢሎም።

ኣይተ ሚጒና ግና ኣነ ብፍፁም ኬንያዊ ዜግነተይ ኣይከሓድኩን፡ ንመፃኢ እውን ኣይክሕድን። ሓሲበዮ እውን ኣይፈልጥን" ክብሉ ንዝቐረበሎም ክሲ ነፂጎሞ።

"እቲ ሕገ-መንግስቲ ግልፂ እዩ። ትውልደ ኬንያዊ ዝኾነ ሰብ ዜግነቱ ክኽሕድ ኣይኽእልን" ኢሎም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን መንግስቲ ኬንያ ፡ ንኣይተ ሚጒና ዝጠረዘሉ ሕጊ ንምግላፅ ኣብ መዋጥር ኣትዩ ኣሎ።

ሕገ-መንግስቲ ኬንያ ዓንቀፅ 17፡ ኣብ ኬንያ ንዝተወለደ ሰብ ዜግነት ኬንያ ጥራሕ ክህልዎ ይድንግግ፤ ወለዲ ዝውለድ ቆልዓ ካብ ካልኦት ሃገራት እንተኮይኖም እቲ ዝውለድ ቆልዓ ኬንያዊ ዜግነቱ ክቕይር ከምዝኽእል የቐምጥ።

ሎሚ መዓልቲ ረቡዕ ሰበ-ስልጣን ኬንያ ብዛዕባ ምጥራዝ ሚጉና ዓሙቅ ሓበሬታ ክህቡ ትፅቢት ተገይርሎም እኳ እንተነበረ፡ ክፍሊ ዜና መንግስቲ እታ ሃገር ግና ኣብ ትዊተር ገፅ፡ ንሚጉና ንምፍታሕ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ እናተኸታተለ ምዃኑ ካብ ምግላፅ ወፃኢ ዝበሎ የለን።

ጠበቓ ሚጒና ሚጒና፡ ብመንግስቲ ኬንያ ከም ገበነኛ ናይ ዝግለፅ፤ ውድብ (ሰልፊ) 'ናሽናል ረዚስተንስ ሙቭመንት' መራሒ እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ 30 ጥሪ፤ መንግስቲ ኬንያ ነዚ ውድብ (ሰልፊ)፡ 'ገበነኛ ጉጅለ' ክብል ብዕሊ ፈሪድዎ እዩ።

ኣይተ ሚጉና ሕጊ ብምጥሓስ ብዝብል ክኽሰሱ ፈላማዮም ኣይኮነን።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 1988 እውን ብፕረዚደንት ዳንኤል ኣራፕ ሞይ ተኣሲሮም ነይሮም እዮም።

ብድሕሪ እዚ ሚጉና ናብ ካናዳ ብምምራሕ፡ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም።

ተወሳኺ ዛንታ