ህንዳዊት ሰበይቲ ኩሊት ሰሪቖምኒ ንዝበለቶም ሰብኣያን ሓዉን ከሲሳ

እታ ግዳይ ከምእትብሎ ኩላሊታ ከይፈለጠት'ያ ተሰሪቓ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ እታ ግዳይ ከምእትብሎ ኩላሊታ ከይፈለጠት'ያ ተሰሪቓ

ምስ ሓዉ ኮላሊት ሰበይቱ ዝሰረቑ ጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም። እታ ግዳይ ንፖሊስ ከምዝሓበረቶ ኮላሊት ዝሰረቕዋ ከም መተካእታ ገዝሚ እዩ።

ሰብኣያ እቲ ተግባር ክፍፀም ዘዋደደ ቅድሚ ክልተ ዓመት ከብዳ ሓሚማ ናብ ሕክምና ኣብ ዝኸደትሉ እዋን ከምዝነበረ ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ፀብፂበን።

ኣብ 2017 ዘካየደቶም ክልተ ዝተፈላለዩ ምርመራታት ሓደ ኩሊታ ከምዘየለ ኣረጋጊፆም።

እታ ህንዳዊት ሰብኣያ ብተደጋጋሚ ሕቶ ገዝሚ የልዕለላ ከምዝነበረ ተዛሪባ።

ኣብ ህንዲ ካብ እንዳጓል ንመርዓዊ ዝወሃብ ገዝሚ ካብ 1961 ጀሚሩ ተኸልኪሉ'ዩ።

ንመራኸቢ ሓፋሽ ህንዲ ቃላ ዝሃበት ሪታ ሳርካር ብሰንኪ'ቲ ገዝሚ ኣብ ልዕሊኣ ተደጋጋሚ በደላት ክፍፀማ ምፅንሑ ገሊፃ።

"በዓል ገዛይ ኣብ ኮልካታ ናብ ዝርከብ ናይ ውልቀ ማእኸል ሕክምና ወሲዱኒ፤ ኩነታት ጥዕናእ ድሕሪ መጥባሕቲ ናብ ንቡር ከምዝምለስ ሓቢሮምለይ" ክትብል ንሂንዱስታን ታይምስ ተዛሪባ።

"በዓል ገዛይ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ኮልካታ ዝተገበረለይ መጥባሕቲ ንዝኾነ ሰብ ክዛረብ ከምዘይብለይ ኣጠንቂቐቑኒ'ዩ" ትብል።

ብድሕሪ ኣዋርሕ ፅቡቕ ኩነታት ጥዕና ክስምዓ ዘይከኣለት ሪታ ስድርኣ ናብ ሕክምና ወሲዶምዋ። ዝተገበረላ ምርመራ ድማ የማናይ ኩላሊታ ከምዘየለ ኣረጋጊፁ። ንኻልኣይ ግዜ ዘካየደቶ ምርመራ'ውን ተመሳሳሊ ውፅኢት ነይርዎ።

"ብድሕሪኡ በዓል ገዛይ ንምንታይ ነቲ ዝተገበረለይ መጥባሕቲ ብምስጢር ክዕቅቦ ከምዝነገረኒ ተገንዚበ" ኢላ።

"ወለደይ ኣብ ገዝሚ ንዝነበሮ ትፅቢት ክመልኡሉ ስለዘይከኣሉ ኩላሊተይ ሸይጡ" ክትብል'ውን ተዛሪባ።

መርማሪ ፖሊስ ኡዳይሻንካር ጎሽ እቲ ክሲ ናይ ሰብ ኣካል ብምዝውዋር ብዝብል ክሲ ከምዝተመዝገበ ንጋዜጣ ዘ ቴሌግራፍ ኢንዲያን ሓቢሮም።