እስክንድር ነጋን ኣንዷለም ኣራጌን ክፍትሑ እዮም

እስክንድር ነጋን ኣንዷለም ኣራጌን Image copyright Facebook

መራሒ ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ውድብ (ሰልፊ) ሓድነት ንዲሞክራስን ፍትሕን ምክትል ፕረዚደንት ነበር ኣይተ ኣንዷለም አራጌን ጋዜጠኛን ዓምደኛን እስክንድር ነጋን፡ ብይቕረታ ካብ ሞንጎ ዝፍትሑ እሱራት ፌደራል ከምዝኾኑ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ዓቃቢ ሕጊ እታ ሃገር ብምፅራሕ ሓቢሩ።

ኣይተ ኣንዷለም አራጌ ፖለቲካዊ ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስን ፍትሕን ካብ ሞንጎ ዝመስረቱ እንትኾኑ፡ 3 መስከረም 2004 ዓ.ም ምስተኣሰሩ፡ ምስ ግብረ-ራዕዲ ብዝተተሓሓዘ ብዝተመስረተሎም ክሲ ዕድመ ይፍታሕ ከምዝተበየነሎም ይዝከር።

እስክንድር ነጋ ድማ ኣብ 2012 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፔን/ባርባራ ጎልድስሚዝ ናይ ፅሑፍ ነፃነት ዝተዓወተ እንትኾን፤ ኣብ 2017 ድማ ካብ ዓለም ለኸ ትካል ፕሬስ፡ ሽልማት ነፃነት ፕረስ ወሲዱ እዩ።

ክልቲኦም ንዝቐረበሎም ክሲ ዘይኣመኑ እንተኾኑ፡ ዝተፈላለዩ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብምኽንያት ፖለቲካ እዮም ተአሲሮም ብምባል ማእሰርቶም ክኹንኑ ፀኒሖም እዮም።

ካብ ቤት ማእሰረቲ ፌደራል ብይቕረታ ካብ ዝፍትሑ ተሃነፅቲ ብተወሳኺ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ቤት-ማአሰርቲ ዝርከቡ 119 ተሃነፅቲ ሕጊ ይቕረታ ተገይሩ።

እዚ ሓበሬታ፡ እዞም እሱራት ዝፍትሑ ፡ ብቦርድ ይቕረታ ናብ ፕረዚደንት እታ ሃገር ምስ ቀረበን፡ ስልጠና ተሃድሶ ምስወሰዱን ምዃኖም ይገልፅ።

ፍርዲ ጥፍኣተኝነት ካብ ዝተበየነሎምን ዝተፈረደሎም እስራት ይፍፅሙ ካብ ዘለዉን ወፃኢ፡ ክሶም ኣብ ምርኣይ ዝርከብ 329 ተጠርጠርቲ ክሶም ተቛሪፁ ከምዝፍትሑ ተሓቢሩ።

ተወሳኺ ዛንታ