"ኣይፋልክን ሩዋንዳ"

ሰልፈኛታት ተቓውሞኦም እንተስምዑ

ትማሊ ሮቡዕ 7 ለካቲት 2018፡ እስራኤል ምስ ሩዋንዳ ብምስጢር ተሰማሚዓ፡ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ካብ ሃገራ ንምስጓግ እትገብሮ ዘላ ጸቕጥን ምድላዋትን ደው ንከተብል ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ሎንደን፡ ኣብ ኣፍደገ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሩዋንዳ ተኻይዱ።

መንግስቲ ኢስራኤል፡ ኣብ ዝመጽእ ሒደት ኣዋርሕ፡ ልዕሊ 10 ሽሕ ዝኾኑ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ብዘይፍቓዶም ናብ ሩዋንዳ ከግዕዞም ምስ፡መንግስቲ ሩዋንዳ ብምስጢር ተሰማሚዑ ከምዘሎ ሁማን ራይትስ ዋች ይሕብር።

እዚ ኣይሁዳዊ መቦቆል ብዘሎዎም እስራኤላውያን ራባይን ግዱሳት ኤርትራውያን ተጣበቕቲ መሰላትን ዝተወደበ ሰልማዊ ሰልፊ መንግስቲ እስራኤል ኣህጉራዊ መሰል ደቂ ሰባት ረጊጹ ወጢንዎ ኣስገዳድ ጥርዝያ ደው ንምባል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሩዋንዳ ጸቕጢ ንምፍጣር እዩ።

"እቲ ብእስራኤል ተዋሂቡ ዘሎ ምርጫ ዓቕሊ ስደተኛታት ዘጽብብ እዩ። ወይ ዓድና ገዱፍኩም ትወጽኡ ወይ ድማ ንዘይተወሰነ ግዜ ትእሰሩ" ዝብል'ዩ፡ ይብል ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተረኽበ መንእሰይ።

ብዛዕባ ኤርትራን ኩነታት ስደተኛታትን ብዙሕ ዝጸሓፈን ዝከታተልን ጋዜጠኛ ቢቢሲ ነበር ማርቲን ፕላውት " በዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ዝገጥሞም ዘሎ ጸበባ ኣዝየ ተሻቂለ ኣለኹ። ክልተ ምርጫ'ዩ ተዋሂቡ ዘሎ፡ ማእሰርቲ ወይ ብሓይሊ ምስጓግ። ነዚ ንኽቃወም ከኣ እየ ኣብዚ ሰልፊ መጺአ" ይብል ማርቲን።

ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ተወሃህድ ዝነበረት ወይዘሮ ላውረን ትኩእ ብወገና ዕላማ እቲ ሰልፊ "ን መንግስቲ ሩዋንዳ ሓደ ሰብ'ኳ እንተኾነ ካብ እስራኤል ከይትቕበሉ ኢልና ጸቕጢ ንምግባርዩ።" ትብል።

ሰልፈኛታት፡ ናይ ተቓውም ደብዳቤኦም ንላዕለዋይ ኮሚሽነር ሃገር ሩዋንዳ ድሕሪ ምርካብ፡ ቅዳሕ እቲ ዘረከቡዎ ደብዳቤ ብሓባር ኣንቢቦም ካብ ኣፍ ደገ እቲ ኤምባሲ ተሰናቢቶም።

ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ከተማ ተልኣቢቭ ኣብ ፈለማ ለካቲት ከኣ ኣብ ሽወደን ተመሳሳሊ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ ነይሩ። ኣብዚ ሰሙን እዚ ከኣ ኣብ ከተማታት በርሊን፡ ዋሺንግቶን፡ ኔዘርላንዳስን ፓሪስን ኪካየድ ምዃኑ ኣወሃሃድቲ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ተወሳኺ ዛንታ