ሎንደን፡ ርዋንዳ ስደተኛታት ካብ እስራኤል ከይትቕበል ዝጠልብ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

ሰልፈኛታት ኣብ ፊት ኤምባሲ ርዋንዳ ኣብ ለንደን ተቓውምኦም እንዳስምዑ
ናይ ምስሊ መግለጺ ተጣበቕቲ ሰባዊ መሰላት፡ እቲ እስራኤል ክትወስዶ ትሓስብ ዘላ ናይ ምስጓግ ስጉምቲ ሰባዊ መሰል ናይቶም ግዳያት ዝግህስ ምዃኑ ይዛረቡ

ርዋንዳ፡ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ካብ እስራኤል ከይትቕበል ዝጽውዕ ሰልማዊ ሰልፊ ትማሊ ሮቡዕ ኣብ ኣፍደገ ናይቲ ኣብ ለንዶን ዓዲ እንግሊዝ ዝርከብ ኤምባሲ'ታ ሃገር ተኻይዱ።

መንግስቲ እስራኤል፡ ኣብ ዝመጺእ ሒደት ኣዋርሕ ጥራይ ልዕሊ 10 ሽሕ ዝኾኑ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን በስገዳድ ናብ ርዋንዳ ከግዕዞም ምስ መንግስቲ ሩዋንዳ ብምስጢር ተሰማሚዑ ከምዘሎ ሁማን ራይትስ ዋች ዝተባህለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾነ ጉጅለ ይሕብር።

መንግስቲ እስራኤል፡ ነቶም ስደተኛታት ከም ሓተትቲ ዑቕባ ዘይኮነ፡ "ሰሎኽቲ" ብምውሳድ ዑቕባ ከይሃቦም ምጽንሑን፡ ንሓያሎ ካብታቶም ድማ ኣብ መዳጎኒ መዓስከር ሒዝዎም ጸኒሑ'ሎ።

ናይ ምስሊ መግለጺ እስራኤል ነቶም ስደተኛታት ከም ሓተትቲ ዑቕባ ኣይትርእዮምን'ያ

እዚ ብኣይሁዳውያን መቦቆል ዘሎዎም እስራኤላውያን መራሕቲ ሃይማኖትን ግዱሳት ኤርትራውያንን ካልኦት ተጣበቕቲ መሰላትን ዝተወደበ ሰልማዊ ሰልፊ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ርዋንዳ ጸቕቲ ንምግባር ዝዓለመን፡ መንግስቲ እስራኤል ድማ ኣህጉራዊ መሰል ደቂ ሰባት ረጊጹ ነዚ ወጢንዎ ዘሎ ስደተኛታት ብዘይወለንተኦም ናይ ምስጓግ ስጉምቲ ደው ከብል ዝጠልብን'ዩ።

"ብእስራኤል ተዋሂቡ ዘሎ ምርጫ ነዞም ስደተኛታት ኣዝዩ ዓቕሊ ዘጽብብ እዩ፡ ወይ ዓድና ገዲፍኩም ትወጹ ወይ ድማ ዘመን ሂወትኩም ኣብ ማእሰርቲ ኪትበልዩ ኢኹም ዝብልዩ" ይብል ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተረኽበ መንእሰይ ሻም።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ነበር ማርቲን ፕላውት ብዛዕባ ኤርትራን ኩነታት ስደተኛታትን ብዙሕ ዝጸሓፈን ዝከታተልን ሰብዩ፡ ብዛዕባ ዕላማ እቲ ሰልፊ ኪገልጽ እንከሎ "በዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ዝገጥሞም ዘሎ ጸበባ ኣዝየ ተሻቂለ ኣለኹ። ክልተ ምርጫዩ ተዋሂብዎም ዘሎ፡ ማእሰርቲ ወይ ብሓይሊ ክጥረዙ። ነዚ ንምቅዋም ድማ'የ ኣብዚ ሰልፊ መጺኤ" ኢሉ።

ናይ ምስሊ መግለጺ እቶም ስደተኛታት ካብታ ሃገር ምውጻእ እንተድኣ ኣብዯም መንግስቲ እስራኤል ኣብ መዳጎኒ መዓስከር ከም ዘእትዎም'ዩ ዝገልጽ ዘሎ

ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ተወሃህድ ዝነበረት ወይዘሮ ላውረን ትኩእ ብወገና ዕላማ ናይዚ ሰልፊ ክትገልጽ እንከላ፡ "ንመንግስቲ ርዋንዳ ሓደ ሰብ እኳ እንተኾነ ካብ እስራኤል ከይትቕበሉ ኢልና ጸቕጢ ንምግባር'ዩ" ትብል።

እቶም ሰልፈኛታት ናይ ተቓውሞ ደብዳቤ ንላዕለዋይ ኮሚሽነር ሃገረ ርዋንዳ ድሕሪ ምርካቦም ብሓባር ተኣኪቦም ቅዳሕ ናይቲ ዘረከብዎ ደብዳቤ ንሰልፈኛታት ብምንባብ ካብቲ ኣፍድገ ኤምባሲ ተሰናቢቶም።

ተመሳሳሊ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ እስራኤል፡ ከተማ ተልኣቪቭ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ተኻይዱ ነይሩ። ብተወሳኺ፡ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ኣብ ከተማታት በርሊን፡ ዋሺንግቶን ዲሲን ፓሪስን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ሃገረ ሆላንድ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲታት ርዋንዳ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ክካየድ ምዃኑ ኣወሃህድቲ ሓቢሮም።

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ፡ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝኾኑ ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ከም ዘለዉ ጸብጻባት ይሕብሩ።