ምሩጻት ስእልታት ቢቢሲ እዚ ሰሙን

ቢቢሲ ኣብዚ ሰሙን ካብ መላእ ኣፍሪቃ ዘተኣኻኸቦም ስእልታት እነሆ ተኣንገዱልና።

ብናጀርያዊ ቀባኢ ቤን እንዎንዉ ዝተሰርሐት ግን ድማ ጠፊኣ ዝነበረት ቅብኣ ኣብ ለንደን ተረኺባ። ናብ ጨረታ ቀሪባ ክሳብ 3 ሚኢቲ ሽሕ ዶላር ክተውጽእ ተተስፊዩላ ኣሎ። Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ብናጀርያዊ ቀባኢ ቤን እንዎንዉ ዝተሰርሐት ግን ድማ ጠፊኣ ዝነበረት ቅብኣ ኣብ ለንደን ተረኺባ። ናብ ጨረታ ቀሪባ ክሳብ 3 ሚኢቲ ሽሕ ዶላር ክተውጽእ ተተስፊዩላ ኣሎ።
ትማሊ ሓሙስ ብኣሚኢት ዝቑጸሩ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ኣብ እስራኤል ኣብ ዝርከብ ደገ ኣፍ ኤማቢሲ ርዋንዳ ተኣኻኺቦም እስራኤል ኣብ ቀረባ እዋን ዘጽደቐቶ፡ ሕጋዊ ሰነድ ንዘይብሎም ስደተኛታት ናብ ካልኦት ሃገራት ናይ ምጥራዝ ፖሊሲኣ ክትቅይርን ርዋንዳ ድማ ስደተኛታት ከይትቕበልን መእንታ ተቓዊሞም። እዚ እትርእይዎ ዘለኹም ህጻን ካብቶም ኣብቲ ተቓወመኦም ዘስምዑ ዝነበሩ ሰባት ወዶም ኮይኑ ኣብ ድሕሪ እቲ ጭርሖ ተገሪሙ ኣሎ። Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ትማሊ ሓሙስ ብኣሚኢት ዝቑጸሩ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ኣብ እስራኤል ኣብ ዝርከብ ደገ ኣፍ ኤማቢሲ ርዋንዳ ተኣኻኺቦም እስራኤል ኣብ ቀረባ እዋን ዘጽደቐቶ፡ ሕጋዊ ሰነድ ንዘይብሎም ስደተኛታት ናብ ካልኦት ሃገራት ናይ ምጥራዝ ፖሊሲኣ ክትቅይርን ርዋንዳ ድማ ስደተኛታት ከይትቕበልን መእንታ ተቓዊሞም። እዚ እትርእይዎ ዘለኹም ህጻን ካብቶም ኣብቲ ተቓወመኦም ዘስምዑ ዝነበሩ ሰባት ወዶም ኮይኑ ኣብ ድሕሪ እቲ ጭርሖ ተገሪሙ ኣሎ።
ጋዜጠኛታት ቴሌቭዥን NTV መደበር ቴሌቭዥኖም ብመንግስቲ ተዓጽዩ ምስተኸፈተ ንጽባሒቱ ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ስትድዮኦም እንከለው ዝተወሰደ ቅላዕ። መንግስቲ ኬንያ ን ሰለስተ መደብር ቴሌቭዥናት ቃለ ማሕላ መራሒ ተቓውሞ ውድብ ፖለቲካ ናሳ ራይላ ኦዲንጋ ፈኒኹም ብዝብል ጉዳይ ዓጽዩ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ጋዜጠኛታት ቴሌቭዥን NTV መደበር ቴሌቭዥኖም ብመንግስቲ ተዓጽዩ ምስተኸፈተ ንጽባሒቱ ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ስትድዮኦም እንከለው ዝተወሰደ ቅላዕ። መንግስቲ ኬንያ ን ሰለስተ መደብር ቴሌቭዥናት ቃለ ማሕላ መራሒ ተቓውሞ ውድብ ፖለቲካ ናሳ ራይላ ኦዲንጋ ፈኒኹም ብዝብል ጉዳይ ዓጽዩ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ደቡብ ኮርያ ኣብ እተሳልስሎ ውድድር ኦሎምፒክ ዊንተር ዝሳተፋ ሰለስተ ናጀርያውያን ሲዩን ኣዲጉን፣ ንጎዚ ኦንዊመርን ሲመደለ ኣዲጎቦን ኣብ ስነ ስርዓት ኣቀባብላ ዝተሳእለኦ ቅላዕ። Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ደቡብ ኮርያ ኣብ እተሳልስሎ ውድድር ኦሎምፒክ ዊንተር ዝሳተፋ ሰለስተ ናጀርያውያን ሲዩን ኣዲጉን፣ ንጎዚ ኦንዊመርን ሲመደለ ኣዲጎቦን ኣብ ስነ ስርዓት ኣቀባብላ ዝተሳእለኦ ቅላዕ።
ኣማኒት ሃይማኖት ሂንዱ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ሃገረ ደቡብ ኣፍሪቃ ደርባን ንዓመታዊ ክብረ በዓል ታይፖሳም ካቫዲ እናተዳለወት እንከላ። Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣማኒት ሃይማኖት ሂንዱ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ሃገረ ደቡብ ኣፍሪቃ ደርባን ንዓመታዊ ክብረ በዓል ታይፖሳም ካቫዲ እናተዳለወት እንከላ።
ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ፡ ደገፍቲ ራስ ተፈርያን ንልደት ቦብ ማርሊ ተኣኻኺቦም እናኽበሩ እንከለዉ። Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ፡ ደገፍቲ ራስ ተፈርያን ንልደት ቦብ ማርሊ ተኣኻኺቦም እናኽበሩ እንከለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳም ሓንቲ በጻሒት ዓዲ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተረኸበ ጥንታዊ ሓድጊ ተረኺባ ኣብ መንደቕ እቲ ሓድጊ ናይ ዝተለጠፈ ቅብኣ ብሞባይል እናሰኣለት። Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳም ሓንቲ በጻሒት ዓዲ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተረኸበ ጥንታዊ ሓድጊ ተረኺባ ኣብ መንደቕ እቲ ሓድጊ ናይ ዝተለጠፈ ቅብኣ ብሞባይል እናሰኣለት።
ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ደገፍቲ ገዛኢ ውድብ ፖለቲካ 'ኣፍሪካን ናሽናል ፓርቲ' ኣብ ደገ ኣፍ ቤት ጽሕፈት እቲ ውድብ ፖለቲካ ተኣኪቦም ፕሬዚደንት ጃኮቭ ዙማ ካብ ስልጣን ክለቁ ጭርሖታት እናቃልሑ። Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ደገፍቲ ገዛኢ ውድብ ፖለቲካ 'ኣፍሪካን ናሽናል ፓርቲ' ኣብ ደገ ኣፍ ቤት ጽሕፈት እቲ ውድብ ፖለቲካ ተኣኪቦም ፕሬዚደንት ጃኮቭ ዙማ ካብ ስልጣን ክለቁ ጭርሖታት እናቃልሑ።
ናይ ክብሪ ዘብዒ ሃገረ ሰኔጋል ፕሬዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማርኮን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ዳካር ኣብ ተጠንቀቕ እንከሎ ዝተወሰደ ቅላዕ። Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ናይ ክብሪ ዘብዒ ሃገረ ሰኔጋል ፕሬዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማርኮን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ዳካር ኣብ ተጠንቀቕ እንከሎ ዝተወሰደ ቅላዕ።
ውርይቲ ስነ ጥበባዊት ሪሓና ምስ ፕሬዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማርኮን፡ ሰኔጋል ኣብ ዘካየደቶ ዋዕላ ሕብረት ዓለም ንዓውዲ ትምህርቲ ተሳቲፋ። Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ውርይቲ ስነ ጥበባዊት ሪሓና ምስ ፕሬዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማርኮን፡ ሰኔጋል ኣብ ዘካየደቶ ዋዕላ ሕብረት ዓለም ንዓውዲ ትምህርቲ ተሳቲፋ።
ሰራሕተኛ ምውጻእ መዓድን ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ካብቶም ብሰንኪ ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ትሕቲ መሬት ደው ዝበሉ 900 ሰራሕተኛታት መንጎ ብመስኮት ተቐልቂሉ ኢዱ እናወዛወዘ። Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰራሕተኛ ምውጻእ መዓድን ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ካብቶም ብሰንኪ ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ትሕቲ መሬት ደው ዝበሉ 900 ሰራሕተኛታት መንጎ ብመስኮት ተቐልቂሉ ኢዱ እናወዛወዘ።
ተረኛ ኣባል ጸጥታ ሞሮኮ ኣብ ደገ ኣፍ ቤት ማእሰርቲ ኦካቻ ሞሮኮ ካዛብላንካ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ተረኛ ኣባል ጸጥታ ሞሮኮ ኣብ ደገ ኣፍ ቤት ማእሰርቲ ኦካቻ ሞሮኮ ካዛብላንካ

ፍልፍል ስእልታት AFP፣ Reuters፣ Getty Images

ኣብ ገደና ቢቢሲ