ሓፍቲ ኪም ጆንግ-ኣን ዝኾነት ዮ-ጆነግ ንናይ ክረምቲ ኦለሎምፒክ ደቡብ ኮርያ ኣትያ

ኪም ዮ-ጆንግ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ,

ኪም ዮ-ጆንግ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዑደት ክትገብር'ያ

ሓፍቲ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ዮ-ጆንግ ደቡብ ኮርያ ኣትያ። ካብ ኣባላት እቲ ስድራ ብድሕሪ ኲናት ኮርያ ቀዳመይቲ ምብፃሕ ዝገበረት ኮይና።

ዮ-ጆንግ ንኻልኦት ሰበ-ስልጣን ሃገራ ኣስዒባ'ያ ኣብ መኽፈቲ ክረምታዊ ኦሎምፒክ ክትርከብ ደቡብ ኮርያ ኣትያ።

ምስ ሓዋ ጥቡቕ ርክብ ከምዘለዋ ዝዝረበላ ዮ-ጆንግ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ላዕለዋይ ኮሚቴ ኣመራርሕ ('ፖሊት ቢሮ') ከምዝተፀምበረት ይዝከር።

ብምኽንያት ኣብ ሰሜን ኮርያ ዝፍፀሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ድማ፡ ኣሜሪካ ማዕቐብ ካብ ሞንጎ ዝገበረትሎም መራሕቲ ትርከብ።

ደቡብን ሰሜንን ኮርያ ኣብቲ ዝካየድ ውድድራት ኦሎምፒክ ብሓንቲ ባንዴራ ከምዝውከላ ተፈሊጡ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ,

ኪም ዮ-ጆንግ (ፀጋም) ሓቢሮምዋ ምስ ዝኸዱ ልኡኽ ኪም ዮንግ ናም (የማን)

ሰሜን ኮርያ ብዘይካ'ቶም 22 ኣትሌታታ፡ ንኣመራርሓ ጉጅለታትን ኣባላት ኦርኬስትራን ሓዊሱ ልዕሊ 400 ልኡኻት'ያ ሰዲዳ።

እዚ ስፖርታዊ ድፕሎማሲ ኣብ ምምሕያሽ ርክብ ክልትኤን ሃገራት ተስፋ ዝተገበረሉ እንትኸውን፡ ገለ ሙሁራት ግን ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ወጥሪ በዚ ዝዛሓሓል ከምዘይኮነ ገሊፆም።

ኪም ዮ-ጆንግ ካብ ሓዋ ዝተልኣኸ ደብዳበ ሒዛ ከይዳ ክትኸውን ከምእትኸእል'ውን ጥርጣረታት ኣሎ።