ፈተናን ተስፋን ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ

ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ

መንግስቲ ኢትዯጵያ፡ ካብ ቅድሚ ዝተወሰኑ ዓመታት ንነዘ፡ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣብ ምህናፅ ዝተፀመደ እንትኸውን፡ መናሃርያ ማኒፋክቹሪንክ ኣፍሪቃ ንምዃን ንዝግበር ፃዕሪ ዘቀላጥፍን ስእነት ስራሕ ንምቕራፍን ልዑል ግደ ከምዘለዎ ይገልፅ።

ሓደ ሓደ ሰብ ሞያታት ግና እዚ ጅማሮ ከም ካልኦት ትካላት ምግናን ዝበዝሖ ክብሉ ይኹንንዎ።

ብኻልእ ወገን ድማ ኣብተን ፋብሪካታት ንዝሰርሑ ሸቃሎ ዝኽፈል መሃያ ትሑት ብምዃኑ፡ ፈተናታት ስደት፣ ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋዕን ኣብ ቅድሚት ተገቲሮም ኣለዉ።

ክሳብ 2025 ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን፡ ካብ ምቅንባር ምህርትታት ሕርሻ ጀሚሩ ክሳብ ምፍራይ ኣልባሳትን ትኹረት ብምግባር፡ ብዙሓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ብምህናፅ ልዑል ጥቕሚ ምጣነ ሃፍቲ ንኽርከብ ዝዓለሙ ምዃኖም ይግለፅ።

ካብዞም ፓርክታት ኢንዱስትሪ ክርከብ እዩ ካብ ሞንጎ ዝተብሃሉ ምጣነ ሃፍታዊ (ቁጠባዊ) ረብሓታት፡ እናዓበየ ንዝመፅእ ዘሎ ቁፅሪ ስራሕ ኣልቦ መናእሰይ፡ ዕድል ስራሕ ምፍጣር እዩ።

እዚ ዕድል ንምጥቃም ካብ ሞንጎ ዘተስፍዉ መናእሰይ፡ ጓል 19 ዓመት ቅድስት ደምሴ ሓንቲ እያ።

ኣብ ፋብሪካ ዓለባ ስራሕ ንኽትቑፀር፡ ናብ ኢንዱስትሪ ፓርክ ሃዋሳ እንትትኣቱ ቢቢሲ ዘዘራረባ ቅድስቲ፡ልምዲ ስራሕ ዋላ እኳ እንተዘይሃለዋ፡ ዘስርሓ ኣካል ስልጠና ከምዝህባ እያ ትሓስብ።

ይኹን እምበር እዚ ዕድል ስራሕ ክትረኽቦ እትኽእል፡ በብመዓልቱ ናብቲ ፓርክ ኢንዱስትሪ መፂኦም ስራሕ ምስ ዝደልዩ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ደለይቲ ሸቕሊ ተወደዲራ፡ ክንደየናይ ቅልጥፍናን ፅንዓትን ከምዘለዋ ምስ ተፈተነት እያ።

ዝቐርበላ ፈተና ሓሊፋ፡ ነዚ ስራሕ ክትረክብ እንተቐኒዕዋ፡ ኣብ ንእሽተይ ካፌ እናተኣናገደት ካብ ትረኽቦ ብመጠኑ ዝሐሸ ኣታዊ ክትረክብ እያ እትፅበ።

ቅድሚ ሕዚ ኣብዚ ፓርክ ስራሕ ዝጀመሩ መሓዙታ 750 ብር ወርሓዊ መሃያ ከም ዝኽፈሎም ትፈልጥ እያ።

"እዛ ገንዘብ እዚኣ እንታይ ኣለዋ? ኣብ ክራይ ገዛን ምግብን እያ ትውዳእ። ንግዚኡ እዩ እምበር" ትብል።

ንሳ ኮነት መሓዙታ ኣብቲ ፓርክ ኢንዱስትሪ ክሰርሑ ዝሓስቡ ካልእ ዝሐሸ ስራሕ ክሳብ ዝረኽቡ እዮም። "ኣብ ልዕሊኡ ድማ እዚ ስራሕ መድከሚ እዩ" ይብሉ።

ምስቲ ምንኣስ መሃያ ተኣሳሲሩ ዘጋጥም ፍልሰት ሰራሕተኛታት፡ ፀገም ኢንዱስትሪ ፓርክ ሃዋሳ ጥራሕ እንተይኮነስ፡ ናይ ካልኦት ዝተሃነፁን ኣብ ምህናፅ ዝርከቡን ፓርክታት ፀገም ከምዝኾነ፡ በዓል ሞያ ኢኮኖሚክስ ኣይተ ዓብዱልመናን መሓመድ ይገልፁ።

"እዞም ፓርክታት ዕድል ስራሕ ምፍጣሮም ዘይተርፍ እዩ፡ ይኹን እንበር ኣብታ ሃገር ዘሎ ስእነት ስራሕ መናእሰይ፡ ብፓርክታት ኢንዱስትሪ ጥራሕ ንምፍታሕ ከቢድ እዩ" ይብሉ።

"ካብዚ ብተወሳኺ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ይኽፈትሉ ዘለዉ ከይዲ ድንጉይ ምዃኑን፡ እቶም ፓርክታት ድሕሪ ምኽፋቶም እውን እንተኾነ፡ ቁፅሪ ተኻርዮም ስራሕ ዝጅምሩ ፋብሪካታት ውሑዳት ምዃኖም፡ ቁፅሪ ኣልቦ ሸቕሊ መናእሰይ ንምንካይ ዝተትሓዘ ትልሚ ዝሓልኽ እዩ" ይብሉ ኣይተ ዓብዱልመናን።

ስለዝኾነ ድማ ተመጋገብቲ ትልምታት ክትለሙ ከምዝግባእ ይሕብሩ።

ዝተጋነነ ትልሚ፡ ድንጉይ ትግበራ

ኣብ ኢንዱስትሪ ፓርክ ሃዋሳ ስርሖም ዝጀመሩ መፍረይቲ (መምረትቲ)፡ ሕሳር ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ ካብ ክፍሊት ነፃ ዝኾነ ቀረብ ማይን ግልጋሎት ምሕደራን ይረኽቡ።

ዝጠቅም እፎይታክፍሊት ግብሪ ዝህቦም ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ፡ ዝኸፍልዎ ክራይ እውን ሕሳር ከምዝኾነ እዩ ዝግለፅ።

ህንፀት እዚ ኢንዱስትሪ ፓርክ 250 ሚልን ዶላር ዝወሰደ እንትኸውን፡ ቅድሚ ሕዚ ተርእዩ ብዘይፈልጥ ቅልጣፈ ሓደ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዘ ሙሉእ ብሙሉእ ተሰሪሑ ምኽምባቱ፡ ላዕለዋይ ኣማሓዳሪ እዚ ፓርክ፡ ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ይገልፅ።

ክሳብ ሕዚ ኣብ ስራሕ ዝርከቡ ፓርክታት ኢንዱስትሪ፡ ኣብ ህንፀት ምስ ዝርከቡን ክህነፁ ምስ ዝተተለሙን ፓርክታት እንትነፃፀር ውሑዳት እዮም።

ህንፀቶም ዝተወድኡ መንግስታዊ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣብ ትሕቲ ዘመሓድር ኮሚሽን ኢንቨስትመንት፡ ዘለዉ ፓርክታት ክልተ ጥራሕ እዯም።

ህንፀቶም ወዲኦም ስራሕ ኣብ ዝጀመሩ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ውሽጢ፡ ፋብሪካ ዝኸፈቱ ብዙሓት ዓለም ለኸ ትካላት ዋላ እኳ እንተሃለዉ፡ እዞም ፓርክታት ኢንዱስትሪ ዘውፅእዎ ገንዘብ ምስ ዝህልዎ ረብሓ ብምንፅፃር፡ ፍርዲ ንምቕማጥን መፃኢ ዕድላቶም ንምትንባይን ዘኽእል ነዊሕ ግዘ ዝወሰደ ሓፈሻዊ መፅናዕቲ የድሊ ይብሉ፡ ኣይተ ዓብዱልመናን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ክህነፁ ዝተተለሙ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኩሎም ኣብ ግዚኦም ከርክቡ እዮም ኢልካ ንምእማን ከምዝኸብድ ድማ ይገልፁ።

"እዚ ከይዲ ህንፀት ገዚፍ መጠን ገንዘብን ቴክኒካዊ ፍልጠትን ዝጠልብ ብምዃኑ፡ እዚ ህንፀት ኣብ ዝተተለመሉ ግዘ ንምኽምባት ዘይሕሰብ እዩ"።

እዞም በዓል ሞያ ሓሳቦም ንምጥንኻር፡ ፍርያት ሕርሻ ንምድንፋዕ ዘኽእሉ፡ ክሳብ 2025 ክስርሑ ናይ ዝተብሃሉ17 ፓርክታት አንዱስትሪ የልዕሉ።

እዞም ፓርክታት ኢንዱስትሪ ንምህናፅ 2 ነጥቢ 5 ቢልን ዶላር ዘድሊ እንትኸውን፡ እዚ ክህነፁ እዮም ምስ ዝተብሃሉ ካልኦት ፓርክታትን እንትድመርን፤ በብግዚኡ ዝህሉ ናህሪ ዋጋ ኣብ ግምት እንትኣቱን ልዕሊ 100 ቢልየን ብር የድሊ ይብሉ።

መነሃርያ ማኒፋክቸሪንግ?

ብልዑል ብርኪ ዘፈር ማኒፋክቸሪንግ ዕዳጋ እናሰሓበ ዝመፅአ ዕዳጋ ኤስያ ብሕሳር ዋጋ ጉልበት ሸቃሎ ዝምዝመዘሉኮይኑ እኳ እንተፀንሐ፡ ካብ ቀረባ ግዘታት ንነዘ ግና ዋጋ ጉልበት ሸቓሎ እናወሰኸ ምምፅኡ ስዒቡ፡ መፍረይቲ ገፆም ናብ ኣፍሪቃ የብሉ ኣለዉ።

ኢትዮጵያ ድማ ነዚ ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ተጠቒማ፡ ናይታ ኣህጉር መነሃርያ ማኒፋክቸሪንግ ንምዃን ልዑል ድሌት ኣለዋ።

ዝካየዱ ዘለዉ ህንፀት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ድማ፡ እዚ ድሌት ኣብ ባይታ ንምሽራፍ ሓደ መገዲ ከምዝኾኑ ይግለፅ።

ኢንዱስትሪ ፓርክ ሃዋሳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እንትምረቕ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኃይለማርያም ደሳለኝ፡ ኢትዮጵያ ማእኸልማኒፈክቸሪንግ ኣፍሪቃ ንምዃን እትገብሮ ፃዕሪ ንምዕዋት ሰረት ዘንበረ ምዃኑ ብምግላፅኣሞጊሶሞ ነይሮም።

ኢንዱስትሪ ፓርክ ሃዋሳ፡ ካብ ዘለውዎ 35 ኣዳራሻት ፋብሪካ፡ ተወሰኽቲ 15 ኣዳራሻት ምህናፅ ዘድለዮ፡ ሰብ-ሃፍቲ ብዘርአይዎ ድሌት ምዃኑ፡ ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዯጵያ ይገልፅ።

ኢንስቲትዩት ልምዓት ዓለባ (ጨርቃ ጨርቂ) ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ነሓሰ፡ ኣብ ኢንዱስትሪ ፓርክ ኣዋሳ ዝርከቡ መፍረይቲ ጨርቃ ጨርቂ፡ ፍርያቶም ናብ ሃገራት ወፃኢ ብምልኣኽ፡ በብወርሑ ልዕሊ 1 ሚልየን ዶላር ይርከብ ከምዘሎ ገሊፁ ነይሩ።

ኢትዮጵያ ካብቲ ዘፈር ክትረኽቦ ተስፋ ካብ ዝገበረትሉ ልዕሊ 400 ሚልየን ዶላር፡ ርብዒ ዝኸውን ኣታዊ ካብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ክርከብ ትፅቢት ከምዝግበር ኣብቲ እዋን ተገሊፁ ነይሩ።

ኩሎም ፋብሪካታት ስራሕ እንትጅምሩ ድማ፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰራሕተኛታት ከምዝቖፅር ተኣሚንሎም ኣሎ።

እዚ ፓርክ ብምሉእ ዓቕሙ ስርሑ ንክሰርሕ ብምግባር፡ በብዓመቱ ሓደ ቢልየን ዶላር ንከእቱ ተተሊሙ እዩ።

ዓበይቲ ትካላት ዓለም፡ ፋብሪካታቶም ኣብ ኢትዮጵያ ንክኸፍቱ ንምትብባዕ ተደጋጊሞም ካብ ሞንጎ ዝግለፁ ፡ ሕሳር ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣መሽናት ካብ ቀረፅ ነፃ ምእታው፣ ንልምዓት ዝኸውን ቀረብ ልቓሕ፣ መንገዲ ባቡር ሓዊሱ ኣብ ምስፍሕፋሕ ዝርከቡ ህንፀት መሰረተ ልምዓትን ካልኦትን ዝብሉ ይርከብዎም።

ሕሳር ጉልበት ሸቃሎ እውን፡ ኢትዮጵያ ብቐዳመነት ተመራፂት ክትኸውን ካብ ሞንጎ ዘኽእልዋ ሓቅታት ከምዝኾነ ይግለፅ።

ፓርክታት ኢንዱስትሪ፡ ብዙሓት ኣገልግሎታት ኣብ ሓደ ቦታ ኣኪቦም ዘቕርቡ ምዃኖም፣ እኹል ቀረብ መሰረት ልምዓት ስለዝህነፀሎምን፡ ምስ ካልኦት መፍረይቲ ስለዘራኽቡን ዝያዳ ተመረፅቲ እዮም።

እዞም ምኽንያታት፡ ናብቶም ፓርክታት ኣቲኻ ስራሕ ንምጅማር ዝቐለለን ግዘ ዝቑጥብን ንክኸውን ዘኽእሉ ተብሂሎም ይውሰዱ።

ይኹን 'ምበር ኢትዮጵያ ክትሃንፆም ዝተለመቶም ፓርክታት ኢንዱስትሪ፡ ከም ጅማሮኣ ሃኒፃ ናብ ስራሕ ምእታው፡ ዘጋጠማ ብሕታዊ ፈተና ኣይኮነን።

ዕውትነት ፓርክታት ኢንዱስትሪ፡ ኣብ ቀፅሮም ዝህልዉ ፋብሪካታትን ኣዳራሻትን ሙሉእ ብሙሉእ ብምክራይን ምስዚ ተኣሳሲሩ ኣብ ዝመፅእ ቁጠባዊ ረብሓን ዝተመስረተ እዩ።

ኣብ ስራሕን ህንፀትን ዝርከቡ ፓርክታት ኢንዱስትሪ፡ ሕፅረት ገንዘብን ቴክኒካዊ ኣፍልጦን ዋላ እኳ እንተሃለዎም፡ እቲ ቀንዲ ብድሆ ግና ፖለቲካዊ እዩ ይብሉ፡ በዓል ሞያ ዓብዱልመናን።

"ኣብዚ ሕዚ ሰዓት እታ ሃገር ብፖለቲካዊ ዘይምርግጋዕ እናተወረረት እንትትኸውን፡ እዚ ድማ ሰብ ሃፍቲ ንክሰግኡን ኣብታ ዓዲ መዋእለ-ነዋዮም ንከየፍስሱን ክእግዶም ይኽእል" ይብሉ።

ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ እውን፡ ካልእ ነዚ ስራሕ ዘተኣጓጉል ብድሆ እዩ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ኢትዮጵያ ብዙሓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣብ ምህናፅ ትርከብ

ስእነት ስራሕን ጉዳይ ስደተኛታትን

ልዑል ገንዘብ ኣፍሲስካ፡ ብብዝሒ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ንምህናፅ ካብ ምህፃፅ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናይ ዝተሃነፁ ፓርክታት ከይዲ ስራሕን መጠን ዕውትነትን ከም ተሞክሮን ሓባሪን ምውሳድ ከምዘድሊ ኣይተ ዓብዱልመናን፡ ይምዕዱ።

"ብዙሓት ፓርክታት ቅድሚ ምህናፅ፡ ኣብቶም ዘለዉ ምድሃብን ንቀፀልቲ ከይድታት ሓፈሻዊ መፅናዕቲ ምክያድ ይበልፅ። እዚ ግና ኣይትግበርን ዘሎ። ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፀገም ምጣነ-ሃፍቲ ዝፈትሑ እዮም ብዝብል እምነት፡ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ናይ ዘይምክትታል ዋዒ ኢና ንርኢ ዘለና"

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ፓርክታት ኢንዱስትሪ፡ ብፍላይ ድማ ንመናእሰይ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ክጥቀመሉ ከምዝደሊ ይዛረብ።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንስደተኛታት ዕድል ስራሕ ምፍጣር፡ ናብ ሃገራት ኣውሮጳ ዝግበር ስደት ክንኪ ዘኽእል እዩ ብምባል፡ 90 ሽሕ ሸቃሎ ክቖፅሩ ይኽእሉ እዮም ንዝበሎም ክልተ ፓርክታት 500 ሚልየን ዶላር ንምልጋስ ቃል ኣትዩ እዩ።

ሕብረት ኣውሮጳ ዘለዎ ቅልውላው ስደተኛታት ንምፍታሕ ንኢትዮጵያ ዝለገሶ ገንዘብ፡ ኢትዯጵያ ንኣሽሓት ስደተኛታት ዕድል ስራሕ ክትፈጥር ዘገድድ እዩ።

ኣይተ ዓብዱልመናን ግና፡ ኢትዮጵያ እዚ ውሳነ እዚ ብዕምቆት ክትግምግሞ ይግባእ ይብሉ። "ኢትዯጵያ ናይ ባዕላ ፀገም ስእነት ስራሕ መናእሰይ ኣለዋ" ብምባል።