ዊንተር ኦሎምፒክስ፡ ኣብ ውድድር ፒዮንግቻንግ 2018 ዝሳተፋ ሃገራት አፍሪቃ እንመን እየን?

Image copyright Loic Venance/AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ፈላማይቲ ተወዳደሪት ምንሽርታት በረድ፥ ጉጅለ ደቂኣንስትዮ ናይጀርያ

ካብ ሎሚ መዓልቲ ዓርቢ ጀሚሩ ኣብ ደቡብ ኮርያ ከተማ ዮንግቻንግ ኣብ ዝካየድ ውድደር ዊንተር ኦሎምፒክ 8 ሃገራት ኣፍሪካ ክወዳደራ እየን።

ኣፍሪቃ ምስቲ መልከዓ ምድራዊ አቀማመጣኣ ተኣሳሲሩ፥ ሙቐት ዝበዝሓ ብምዃና ከም ምንሽርታት (ሸታሕታሕ) በረድ ንዝኣመሰሉ ስፖርትታት 'ዊንተር' ዝኸውን ኩነታት ኣየር የብላን።

ይኹን'ምበር፥ እዚ ከምዘሎ ኾይኑ ኣብዚ ውድድር ዊንተር ኦሎምፒክስ 8 ሃገራት ኣፍሪቃ ማለት'ውን ኤርትራ፥ ናይጀርያ፥ጋና፥ ኬንያ፥ ማዳጋስካር፥ ደቡብ ኣፍሪካ፥ ሞሮኮነን ቶጎን ብተወዳደርተን ክውከላ እየን።

ኣብ ታሪክ ብፍላይ ኤርትራን ናይጀርያን ንመጀመርያ ጊዜ'የን ክሳተፋ።

ብዛዕባ እቶም ኣብዚ ውድድር ዝሳተፉ ኣፍሪቃውያን ኣትሌታት ዘዳለናዮ ውልቀ ታሪኾም እነሆ!

  • ኣክዋሲ ፍሪምፖንግ

    • ዕድመ: 31
    • ሃገር: ጋና
    • ስፖርት: ስከለተን

    ጥረ ሓቂ፡ ኣክዋሲ ፍሪምፖንግ ፌደሬሽን ጸወታ ስከለተን ሃገረ ጋና ኣጣይሹ። 

    ፍሪምፖንግ ፈለማ ተጸዋታይ ስፕሪነተር እኳ እንተነበረ ብሰንኪ ዘጋጠሞ ኣካላዊ መጉዳእቲ ግን ካሊእ ዓይነት ስፖርት ከዘውትር ተገዲዱ’ዩ። 

    ንፉዕ ተነሓናሓይ ስፖርተኛ ንምዃን ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሽዱሽተ ዓመታት ይወስድ። ምኽንያቱ  እቲ ስፖርት ቅልጡፍ ስለዝኾነ ሓንጎል ደቂ ሰባት ብቐሊሉ ንኸጽንዕዎ ይኸብዶም’ዩ
  • ሳብሬና ሲማደር

    • ዕድመ: 19
    • ሃገር: ኬንያ
    • ስፖርት:  ምንሽርታት ጎቦ-በረድ

    ጥረ ሓቂ፡ ሲማደር ኣብ ሰለስተ ዓመት ዕድሜኣ ምስ ስድርኣ ናብ ኦስትርያ ኣምሪሓ። ንኬንያ ኣብ ውድድር ኦሎምፒክ ሸታሕታሕ በረድ እንትትውክል ድማ ፈላመይቲ ይገብራ። 

    ኣብ 2013 ንፍዕቲ ተወዳዳሪት ሸታሕታሕ በረድ ንምዃን በቒዓ። ኣብ 2016 እውን ንኬንያ ወኪላ ኖርወይ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኦሎምፒክ ዊንተር ተሳቲፋ ነይራ። 

    ውድድር ሸታሕታሕ በረድ ክትሰርሕ እንከለኻ ዝስመዓካ ስምዒት ዳርጋ ጽላለ እዩ። ምትሃታዊ ሓይሊ ክደፍኣካ እንከሎ ሓንጎልካ ነጻ እዩ ዝኸውን። በቃ ዓለምካ ኢኻ እትርኢ
  • ማይሊታና ክለርክ

    • ዕድመ: 16
    • ሃገር: ማዳጋስካር
    • ስፖርት:  ምንሽርታት ጎቦ-በረድ

     መይሊታና ክለርክ ስፖርት ሸታሕታሕ በረድ ዝተመህረት ጓል 3 ዓመት ዕሸል እንከላ ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2017 ወርሒ ሕዳር 16 ዓመታ ዝደፈነት መይሊታና ኣብቲ ዝካየድ ውድድር ኦሎምፒክ ዊንተር እታ ብዕድመ ዝነኣሰት ተወዳዳሪት ይገብራ። 

  • ሳሚር ኣዚማኒ

    • ዕድመ: 40
    • ሃገር: ሞሮኮ
    • ስፖርት: ጉያ-በረኻ ምንሽርታት በረድ

    ሳሚር ኣዚማኒ ቅድሚ ናብ ጉያ -በረኻ ሸታሕታሕ ምእታዉ  ስፖርታዊ ምንሽርታት ጎቦ-በረድ’ዩ ነይሩ። 

  • ኣዳም ላምሃመዲ

    • ዕድመ: 22
    • ሃገር: ሞሮኮ
    • ስፖርት:  ምንሽርታት ጎቦ-በረድ

    ትውልደ ሞሮኮ ከናዳዊ ኣዳም ላምሃማዲ ብ2012 ኦስትርያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኦሎምፒክ ዊንተር ሜዳልያ ወርቂ ዝረኸበ ፈላማይ ኣፍሪቃዊ ንምዃን ዝበቕዐ ስፖርታዊ’ዩ። 

  • ሞርያም ሰዩን ኣዲጉን

    • ዕድመ: 31
    • ሃገር: ናጀርያ
    • ስፖርት: ቦብስለይ

    ሰዩን ኣዲጉን መስራቲ ፈላመይቲ ጋንታ ጸወታ ቦብሰለይ ናጀርያ’ያ። ቀንዲ መራሒት ናይታ ጋንታ ድማ እያ።    

    ብ2012 ኣብ ለንደን ተኻይዱ ኣብ ዝነበረ ውድድር ኦሎምፒክ ዊንተር ተሳቲፋ ነይራ። 

    ኣብ ታሪኻ፥ ናጀርያ ኣብዚ ውድድር እዚ ዝተሳተፈ ስፖርታዊ ስለዘይነበራ ሎሚ ናይጀርያውያን ተሳታፋይ ምርካቦም ሕጉሳት እዮም
  • ኣኩማ ኦሜጎ

    • ዕድመ: 25
    • ሃገር: ናጀርያ
    • ስፖርት: ቦብስለይ

    ኣኩማ ፈላመይቲ ጓል ኣነስተይቲ ተጸዋቲት ጋንታ ቦብሰለይ ናጀርያ እያ። 

    ሰራሕተኛ ምቑጻር ጥዕና ኮይና’ውን ሰሪሓ። 

  • ንጎዚ ኦንዉምሬ 

    • ዕድመ: 26
    • ሃገር: ናጀርያ
    • ስፖርት: ቦብስለይ

    ንጎዚ ኦንዉምሬ ናይ መሰናኽል ጎያዪት ኣትሌት እንትኸውን ብ2015 አቆፃፀዕራ ፈረንጂ ዝተኻየደ መላእ ፀዋታት ኣፍሪቃ ናይጀርያ ወኪላ ተሳቲፋ። 

  • ሲሚደለ ኣዲግቦ

    • ዕድመ: 36
    • ሃገር: ናጀርያ
    • ስፖርት: ስከለተን

    ሲሚደለ ኣዴግቦ ሃገሩ ን ተኸታታሊ 9 ዓመታት ካብ ውድድራት ኦሎምፒክ ድሕሪ ምቁራጻ ተቐዳዳማይ ስከለተን ክኸውን ዝወሰነ። 

     ኣዴግቦ ፈላማይ በዚ ዓይነት ስፖርት ኣብ ውድድር ኦሎምፒክ ዝወዳደር ናጀርያዊ እዩ። 

  • ኩኖር ዊልሰን

    • ዕድመ: 21
    • ሃገር: ደቡብ ኣፍሪቃ
    • ስፖርት:  ምንሽርታት ጎቦ-በረድ

     ኮኖር ዊልሰን ሓኪም እንስሳ ንኽትከውን ኢላ ኣብ ኣሜሪካ ዩኒቨርስቲ ቨርሞንት ትምህርታ ተኸታቲላ።  

  • ማቲለድ ኣሚቪ ፔቲጂን

    • ዕድመ: 23
    • ሃገር: ቶጎ
    • ስፖርት: ጉያ-በረኻ ምንሽርታት በረድ

    ማቲለድ ኣሚቪ ፔቲጂን ንትውልዲ ዓዳ ቶጎ ወኪላ ቅድሚ ምጽዋታ ኣባል ጋንታ ምንሽርታት ጉያ-በረኻ  ፈረንሳይ እያ ነይራ።  

  • አለሽያ ኣፊ ዲፖሊ

    • ዕድመ: 22
    • ሃገር: ቶጎ
    • ስፖርት:  ምንሽርታት ጎቦ-በረድ

    ዋላ’ኳ ዝኾነ ይኹን ስጋዊ ዝምድና ኣይሃልያ ፥ ትውልደ ጣልያናዊ ኣለሽያ ኣፊ ዲፖል እዛ ምዕራባዊ ኣፍሪካ ወኪላ ክትወዳደር መሪፃ። 

    ነምጀመርያ ጊዜ ከም ኣውሮጳ ኣቆፃፅራ ብ2014 ብናይ ቶጎ ባንዴራ እያ ተወዳዲራ።  

  • ሻነን ኦግባኒ ኣበዳ

    • ዕድመ: 21
    • ሃገር: ኤርትራ
    • ስፖርት:  ምንሽርታት ጎቦ-በረድ

    ኣበዳ  ኣብ ካናዳ ዝዓበየ እንትኸውን  ኣብ በረድ ተጻዋታይ ኩዕሶ (ሆኪ ስኬተር) ክኸውን’ዩ ባህጊ ዝነበሮ። ወለዱ ግና ናይ በረድ ምንሽርታት ስፖርታዊ ክኸውን’ዮም ዝደልይዎ ነይሮም። 

    ንሱ ኣብ ውድድር ዊንተር ኦለምፒክ ዝሳተፍ ፈላማይ ኤርትራዊ ስፖርታዊ እዩ። 

    ንኸምዚ ኸማይ ዝኣመሰለ ኤርትራዊ ሸታሕታሕ (ምንሽርታት) በረድ ልሙድ ከምዘይኮነ ይርደኣኒ’ዩ። እንተኾነ ግና ኤርትራውያን ሃርበኛታት’ዮም። ሓደ ሰብ ንኤርትራ ወኪሉ ክወዳደር ክርእዩ እንከለዉ ሕጉስ’ዮም ዝብሉ

ሰኣላይ:

Matthias Hangst/Getty Images, Dimitar Dilkoff/AFP/Getty Images, Francois Xavier Marit/AFP/Getty Images, Shaun Botterill/Getty Images, Christophe Pallot/Agence Zoom/Getty Images, Alexander Hassenstein/Getty Images, ALEXANDER KLEIN/AFP/Getty Images, Dean Mouhtaropoulos/Getty Images, Courtney Hoffos