ሲሪል ራማፖሳ፡ መፃኢ ዕድል ጃኮብ ዙማ ንምውሳን ኣይዕገስን

ሲሪል ራማፎሳ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ሲሪል ራማፎሳ ኣብ ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ኔልሰን ማንዴላ መደረ እንተስምዑ።

መራሒ ውድብ (ሰልፊ) ደቡብ ኣፍሪቃ ኤኤንሲ፡ መፃኢ ዕድል ፕረዚደንት ጃኮብ ዙማ ንምፍታሕ ጊዜ ከምዘይወስድ ኣፍሊጦም።

ሲሪል ራማፖሳ ከምዝሓበርዎ፡ እዚ ጉዳይ 'ብጥንቃቐን ቅዉም ነገርን' እዩ ክፍታሕ ዘለዎ።

"እዚ ጉዳይ ቅልጡፍ ፍታሕ ክረክብ ከምትደልዩ ንፈልጥ ኢና" ክብሉ ድማ፡ ናይ ፈላማይ ፀሊም ፕረዚደንት እታ ሃገር ኔልሰን ማንዴላ ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ኣብ ዘኽብርሉ ጊዜ ተዛሪቦም።

ጃኮብ ዙማ ንትሽዓተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝፀንሕሉ ህዉጽ እዋን፡ ሓያሎ ክስታት ግዕዝይና (ብልሽውና) እናጋጠሞም ይርከብ።

ሃገራዊ ፈጻሚ ሽማግለ እቲ ውድብ (ሰልፊ)፡ ኣብ መፃኢ ዕድል ዙማ ንምውሳን ሎሚ ሰኑይ ከምዝውስን ድማ መራሒ ኤኤንሲ ኣፍሊጡ።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣንድሩ ሃርዲን ከምዝፀብፀቦ፡ ኮሚቴ እቲ ውድብ (ሰልፊ)፡ ጃኮብ ዙማ ካብ ስልጣኖም ንክወርዱ ክሓቱ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ እውን፡ ፕረዚደንት ጃኮብ ዙማን ምክትል ፕረዚደንት እታ ሃገርን ሓድሽ መራሒ ኢኤንሲን ሲሪል ራማፎፖን ቀጥታዊ ዘተ ድሕሪ ምክያዶም፡ ብኮሚቴ እቲ ውድብ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ተመሳሳሊ ኣኼባ ተሰሪዙ እዩ።

ሲሪል ራማፖሳ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ንዙማ ተኪኡ መራሒ ኤኤንሲ ኮይኑ ካብ ዝምረጽ ንነጀው፡ ኣብ ልዕሊ ጃኮብ ዙማ ፀቕጢ እናዛየደ መጺኡ'ሎ።

ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኬፕታውን ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ቀንዲ ዕላማ ናይ'ቲ መሰጋገሪ ዘተ ንደቡብ ኣፍሪቃውያን ንምሕባር (ሓደ ንምግባር) እዩ ኢሎም ራማፖሳ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መንጎ መሪሕነት እቲ ውድብ ምግምማዕ እኳ እንተተራእየ፡ ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ኔልሰን ማንዴላ ግና፡ "ሓድሽ ምዕራፍ" ዝህበና እዩ ኢሎም።

ደቡብ ኣፍሪቃውያን፡ ክብርታት ኔልሰን ማንዴላ ንኽዕቅቡ ዝፀውዑ ስሪል ራማፖሳ፡ ኩሉ ንግዕዝይና (ብልሽውና) ክቃለስን፡ ኩሎም ሃብቲ ሃገር ዘጠፋፍኡ ድማ ናብ ሕጊ ከምዝቐርቡ ኣፍሊጦም።

"ኣብዛ ሃገር ንዘለዉ ድኸነት፣ ስእነት ስራሕን ዘይማዕርነታዊነትን ንምፍታሕ፡ በቲ ማዲባ (ካልኣይ ስም ኔልሰን ማንዴላ ማለት'ዩ) ዝመሃረና ኣገባብ ተጠቒምና ክንኣልዮም ይግባእ" ኢሎም።

ነበርቲ ከተማ ኬፕታውን ኣብ መዓልቲ ሓምሳ ሊትሮ ማይ ጥራሕ ንኽጥቀሙ ዝደረተ ቅልቅላው ቀረብ ማይን፡ እታ ከተማ ካብ ዝመፅእ ወርሒ ግንቦት ጀሚራ ፈጺማ ማይ ከንይትስእን ኣብ ዝስጋኣሉ ዘሎ እዋንን፡ ራማፖሳ ኣብ መደረኦም ብዛዕባ'ቲ ሽግር ተዛሪቦም።

"ሕዚ እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ማይ ንምፍታሕ ሓቢርና ክንሰርሓሉ ዝግባእ ጊዜ እዩ" ኢሎም።

ብዙሓት ከባቢታት እታ ሃገር ብስእነት ማይ ይሳቐዩ ከምዘለዉ እውን ሓቢሮም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት