መንግስቲ ኢትዮጵያ ጉጅለ ራዕዲ ኢሉ ምሰ ዝሰየሞ ኦብነግ ልዝብ ጀሚሩ

የኦብነግና የኢትዮጵያ መንግሥት ድርድር

መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ብሄራዊ ሓርነት ኦጋዴን (ኦብነግ) ምስ ዝተገምዐ ሓደ ክፋል ኣመራርሓ ድርድር ምጅማሩ ንመንግስቲ ቀረባ ዝኾነ ሰብ ንቢቢሲ ኣረጋጊፁ።

ኦብነግ፥ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ቅድም ክብል ብግብረ ራዕዲ ካብ መንጎ ዘስፈሮም ሓሙሽተ ጉጅለታት ሓደ እዩ።

እዚ ፈላጢ ውሽጢ ከምዝብሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ኬንያ፡ ናይሮቢ ዝተጀመረ ልዝብ፡ ካብቲ ጉጅለ ተፈንጪሉ ምስ መንግስቲ ዝዘራረብ ዘሎ አካል ዕርቂ ንክፍፅም፣ ሒዙዎ ዝኣቱ ወታደራዊ ሓይሊ ዕጥቁ ፈቲሑ ምሕረት ተገይሩሉ ዳግም ዝጣየሸሉ ዝብል ካብ ሞንጎ እቶም አጀንዳታት ድርድር ክልቲኦም ወገናት ሓደ እዩ።

እንተኾነ ግና እቲ ስሩዕ ልዝብ ብዕሊ ኣይተጀመርን ይብል ሓደ ምንጪ እዚ ሓበሬታ።

ኣብቲ ልዝብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወኪሉ ዝርከብ ጉጅለ፡ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሶማሌ አብዲ መሓመድ ዑመርን ኮነሬል ገብረ እግዚኣብሄር አለምሰገድን ከምዝርከቡዎም እቶም ምንጭታት ወሲኾም ሓቢሮም።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ሓደ ክፋል እቲ ደባይ ተዋጋኢ ጉጅለ፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝገበሮ ዝርርብ ዕርቂ ፈጢሩ ዝተወሰነ ወተሃደራዊ ሓይሉ ሒዙ ናብ መንግስቲ ብምእታው ዕጥቁ ፈቲሑ'ዩ።

ከምኡ ድማ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ መንግስቲ ሪፓብሊክ ሶማልያ ሓደ ላዕለዋይ ኣመራርሓ እቲ ጉጅለ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሕሊፉ ክወሃብ ምግባሩን እቲ ጉዳይ መዘራራቢ ዛዕባ ኮይኑ ከምዝነበረን ዝዝከር እዩ።