ኣብ ምቁራፅ ትምህርቲ ዝርከቡ ኣስታት 2 ሚልየን ኢትዮጵያውያን ህፃናት

ተምሃሮ ካብ ትምህርቶም ከይመዛበሉ ይሰግኡ ኣለዉ። Image copyright COLIN COSIER

ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዘሎ ድርቅን ጎንፅን ተኣሳሰሲሩ፡ ኣብዚ ዓመት ኣስታት 2 ሚልየን ተምሃሮ፡ ትምህርቶም ኣብ ምቁራፅ ስግኣት ከምዝርከቡ ትካል ህፃናት ዓለም ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ትካል ህፃናት ዓለም ኢትዮጵያ ኤኪን ኦጉቶጉላሪ፡ ዛጊድ ኣብታ ሃገር ብዘሎ ኩነታት፡ ኣስታት 400 ሽሕ ተምሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቶም ከምዝተመዛበሉ ንቢቢሲ ገሊፆም።

ሓበሬታ ሚኒስትር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ብምፅራሕ ዝተዛረቡ እዞም ዳይሬክተር፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ለካቲት 2009 ዓ.ም ጀሚሩ፡ 623 ኣብያተ ትምህርቲ ዝተዓፀዋ እንትኾና፡ እዚ ቁፅሪ በብወርሑ ዝዕፀዋ ኣብያተ ትምህርቲ 51 ይበፅሓ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቂ ካብ ኢትዮጵያ ብተወሳኺ፡ ኣብ ሃገራት ደቡብ ሱዳን፣ ሶማሊያን ኬንያን፡ ኣስታት 90 ሽሕ ተምሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቶም ኣብ ስግኣት ምምዝባል ሓደጋ ከምዝርከቡ፡ እዚ ትካል ዘውፅኦ ሓበሬታ የመልክት።

እዚ ኣሃዝ ኣብ ዓመት ኣስታት 4 ነጥቢ 7 ሚልየን ክኸውን ከምዝኽእል ድማ እዚ ፀብፃብ የረድእ።

እዞም ህፃናት ካብ መኣዲ ትምህርቲ እንትርሕቑ፡ ንትሕቲ ዕድመ መርዓ፣ ዘይሕጋዊ ዝውውር ህፃናትን ካልኦት ተዛመድቲ ፀገማትን ከምዝሳጥሑ ዝገለፀ እዚ ፀብፃብ፡ ብዘደንግፅ ኩነታት፡ ክሳብ 8 ዓመት ዝዕድሚኦም ህፃናት፡ ኣብቲ ከባቢ ብዘለዉ ወተሃደራት ይምልመሉ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

እዞም ህፃናት ብድርቅን ጥሜትን ዝያዳ ከምዝተጎድኡ ዝዛረቡ ኤኪን፡ "ዝኾነ እንተኾነ ኣብያተ ትምህርቲ ዘይዕፀዋሉ ኩነታት ክፍጠር ኣለዎ፤ እዚ ድማ እቶም ህፃናት ብሓደ ብምግባር፡ ክሕግዙ ዝኽእሉ ትካላት ንክሕግዙን ካብ ምኽኣል ብተወሳኺ፡ ዝበፅሖም ጥቕዓት ንምክልኻል ዘኽእል እዩ" ይብሉ።

ተወካሊ፡ ትካል ህፃናት ዓለም ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ ዴቪድ ራይት እውን፡ እዚ ጉዳይ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ገሊፆም።

"ኣብ ዓመት በብመዓልቱ 12ሺሕ ተምሃሮ ኣብ መኣዲ ትምህርቶም ዘይርከቡ እንተኾኖም፥ ናይቲ መፃኢ ወለዶ ዕጫ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ማለት'ዩ" ብምባል ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ቤት ትምህርታት ኣድላይ ዝበሃል ምግብን ማይን ከቕርባን ተምሃሮ ትምህርቶም ክከታተሉ ከምዘለዎምን ይዛረቡ።

ትካል ህፃናት ዓለም፡ ኣብዚ ዓመት ዝሓዞ ትልሚ ተምሃሮ ቤት ትምህርቶም ከይለቐቑ፥ ስድረኦም ደጊሞም ዝጣየሽሉን መፃኢ ህይዎቶም ዘዕርይሉን ባይታ ምፍጣር ዝብል እዩ።

ከም ማይን ክትባትን ዝኣመሰሉ ቀረባት ከም ኮሌራ ዝኣመሰሉ ሓደገኛ ተሓላለፍቲ ሕማማት ንምክልኻል ዓብይ ረብሓ አለዎ ይብል፥ እቲ ፀብፃብ፥

ብሓፈሻ ኣብቲ ክልል 21 ሚልዮን ዝኣኽሉ ሰባት ብዋሕዲ ምግቢ ይሳቐዩ ከምዘለዉ እቲ ሪፖርት የረድእ።

እዚ ብፍላይ ቆላ ኢትዮጵያ ብሓይሊ ዘጥቀዐ ጥሜት ኣብ ታሪኽ'ውን ዝኸፍአ ዝበሃል ዓይነት ከምዝኾነ ኤኪ ይገልፁ።

እቲ ሐዚ ኣጓኒፉ ዘሎ ጥሜት ኢትዮጵያ ድሕሪ 1970 ታት እቲ ዝኸፍኣ ከምዝኾነ ይዛረቡ።

ሕዚ'ውን ትንበያታት አየር ከምዘረእይዎ ሕፅረት ዝናብ ከጋጥም ከምዝኽእል ስግኣቶም ይገልፁ።

ነዚ ምላሽ ክኸውን ብምሕሳብ ንህፃናት ናይ ምግብን ፕሮግራምን መሳርሕታት ትምህርትን ከምዝለገሱ፡ በዚ ድማ ዳርጋ 11 ሺሕ ህፃናት ተረባሕቲ ከምዝኾኑ ንቢቢሲ ገሊፆም።

ካብ ለገስቲ ዝግበር ድጋፍ ድማ እናነከየ ምምፅኡ ይዛረቡ። እዚ ትካል ከም ኣብነት ወሲዶም ቅድሚ 2 ዓመታት ድጋፍ 100 ሚልዮን ዶላር ከምዝገበረ ኣብዚ ዓመት ግና 5 ሚልዮን ጥራሕ ከምዝለገሰ ወሲኾም ኣረዲኦም።

"ኢትዮጵያ ኣብ መፃብብ ኣትያ እያ ዘላ። እዚ ጥሜት ንምፅዋር ትቃለስ ኣላ። ኣብዚ እዋን'ውን ክትርዳእ ይግባእ" ኢሎም።