ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ብብልሽውና ተወንጂሉ

ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ኣብ ኣኼባ ካቢኔ፡ 11 ለካቲት፡2018 Image copyright AFP/Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኔታንያሁ፡ ተደጋጋሚ ምርመራታት ከምዝተገበርሉ ፀብፃባት ይሕብሩ

ቀዳማይ ምኒስተር ቤንጃሚን ኔቴንያሁ በቲ ቐሪቡሉ ዘሎ ናይ ብላዕ ወንጀል ናብ ፍርዲ ክቐርብ ኣለዎ ኢሉ ፖሊስ'ታ ሃገር።

ፖሊስ ኣብዝሃቦ መግለጺ ንቀዳማይ ምኒስተር ኔቴንያሁ ብብላዕ፡ ምትላልን እምነት ምጉዳልን ናብ ፍርዲ ንምቕራብ ዘኽእል እኹል ጭብጢ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እንተኾነ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኔቴንያሁ ኣብ ናይ እስራኤል ቴሌቪዥን ኣብዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ኣንጻሩ ዝቐረበ ክሲ ሓቂ ዘይብሉ ወንጀል ከምዝኾነን፡ ከም ቀዳማይ ምኒስተር ስርሑ ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ኣንጻረይ ዝቐረበ ክሲ '"ብዘይ ፍረ ከብቅዕ ኢዩ" ኢሉ።

እንታይ'ዩ ነይሩ እቲ ውንጀላ?

እቲ ሓደ ኣንጻር ኔቴንያሁ ዝቐረበ ክሲ፡ኔቴንያሁ ንሓንቲ ናይ እስራኤል ጋዜጣ፡ የዲዮት ኣሃሮኖት ብዛዕብኡ ኣወንታዊ ጸብጻብ ብምዝርጋሕ ነቲ ኣንጻሩ ዝሕተም ዘበል ንምፍሻል ክትሓባበርዎ ዝብል ኢዩ።

ነዚ ኣመልኪቱ ድማ ፖሊስ፡ ዋላ ኣሰናዳዊ ጋዜጣ የዲዮት ኣሃሮኖት፡ ኣርኖን ሞዘስ ክኽሰስ ኣለዎ ኢሉ።

እቲ ካልኣይ ኣንጻር ኔቴንያሁ ዝቐረበ ክሲ ድማ፡ ኔቴንያሁ፡ እቲ ካብ 2009 ጀሚሩ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ዝኾነ፡ ካብ ሓደ ናይ ሆሊውድ ሃብታም ዝኾነ፡ ኣርኖን ሚልቻንን ካልኦት ደገፍቱን ብውሕዱ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሼከል [ባጤራ እስራኤል - ዳርጋ 283,000 ዶላር ኣሜሪካ] ዝግመት ህያብ ምቕባሉን ኢዩ።

ጄሩሳሌም ፖስት ዝተባህለ ጋዜጣ ከምዝበሎ፡ እቲ ንኔቴንያሁ ዝተዋህበ ህያብ ሽምፐይንን ሲጋርን ኢዩ። እዚ ድማ ነቲ ኔቴንያሁ ንኣርኖን ሚልቻን ናይ ኣሜሪካ ቪዛ ንምርካብ ዝገበረሉ ሓገዝ ከም መርኣያ ምስጋና ዝተዋህበ ህያብ ኢዩ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣርኖን ሚሊቻን (ማእኸል) ምስ ሊዮናርዶ ዲስፓርዮን ስቴቨን ስፒልበርግን

ኣርኖን ሚልቻን፡ ኣዳላዊ ዝተፈላለያ ፊልምታት'ውን ብብላዕ ምሃብ ክሲ ክምስረተሉ ኣለዎ ኢሉ ፖሊስ እስራኤል።

ፖሊስ ከምዝበሎ፡ ኔቴንያሁ ነቲ ህያብ ድሕሪ ምቕባሉ፡ ሚልቫን ኣብ እስራኤል ክነብር ኣብ ዝተመልሰሉ ኣዋን፡ ነቲ እስራኤላውያን ናብ ሃገሮም ኣብ ዝምለስሉ እዋን ን10 ዓመታት ካብ ቀረፅ ነጻ ንኽኾኑ ዘፍቅድ ሕጊ ሚልሻን'ውን ክጥቀመሉ ደፊእሉ።

እንተኾነ እቲ ብኔቴንያሁ ዝቐረበ ሓሳብ ብምኒስተር ፋይናንስ ተዓጊቱ።

ፖሊስ ከምዝበሎ፡ ኔቴንያሁ ብምትላልን እምነት ምጉዳልን'ውን ይጥርጠር ኢዩ ኢሉ፡ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ሓደ ኣውስትራሊያዊ ቢልዮነር ጀምስ ፓከር ዝምልከት።

ፓከር ንኔቴንያሁን ንብዓልቲ ቤቱ ሳራን ህያብ ከምዝሃቦም ንመርመርቲ እስራኤል ከምዝሓበሮም ናይ እስራኤል መደበር ቴሌቪዥን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ገሊጹ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኔቴንያሁ ብመርመርቲ እስራኤል ሸውዓተ ግዜ ከምዝተሓተተ ናይ እስራኤል ናይ ዜና ማዕከናት ገሊጸን።

ኣብ መወዳእታ እንታይ'ዩ ክኸውን?

ኣብ መወዳእታ ጉዳይ ኔቴንያሁ ዝውስኖ ቤት ጽሕፈት ዓቃብ ሕጊ እስራኤል ኢዩ። ኣብ ውሳነ ንምብጻሕ ድማ ኣዋርሕ ክወስድ ኢዩ።

ዝኾነ ዝተወንጀለ ቀዳማይ ምኒስተር ካብ ሓላፍነቱ ክወርድ ክግደድ የብሉን ኢሉ ናይ ፍትሒ ምኒስተር ኣየልት ሼክድ።

ናይ ኔቴንያሁምላሽ ከመይ ነይሩ?

"ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ 15 ዝኸውን መርመራታት ተገይሩለይ፡ ኩሎም ዝተገብሩ ፈተነታት ድማ ብዘይ ፍረ ተዛዚሞም፡ እዚ ናይ ሕጂ ጸለመ'ውን ብዘይ ፍረ ክዛዘም ኢዩ" ኢሉ ኣብ ቴሌቪዥን ዝሃቦ መግለጺ።

እቲ ወዲ 68 ዓመት ኔቴንያሁ ን12 ዓመታት ከም ቀዳማይ ምኒስተር ኣገልጊሉ።