"ዝኾነ ኤርትራዊ ብዛዕባ ሰላም ክዝትይ ከምዚ ዓይነት ባይታ ረኺቡ ኣይፈልጥን"

ሰንዸቕ ዕላማ ሃገራት ኢትዯጵያን ኤርትራን Image copyright celebrity events

ካብ ቀረባ ዓመታት ንነዘ ሙሁራን መናእሰይን ኤርትራውያን ዝርከቡዎ ምንቅስቃስ ምፍጣር ሰላማዊ ርክብ ህዝቢታት ክልቲአን ሃገራት ሕዚ መልክዕ እናሓዘ ዝመጽእ ዘሎ ይመስል።

እዚ ብዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸቢታትን መድረኻት ዘተን እናማዕበለ ዝመጸ ከምዝኾነ ኮሚቴ ሰላም ኤርትራዉያን ትገልጽ።

ኣብቲ ዝመጽእ ቐዳም፡ ጉዳይ ሰላም እዘን ሃገራት ዝጥምት መጽናዕታዊ ጽሑፍ ብፕሮፌሰር መድሃኔ ታደሰን ካልኦትን ቀሪቡ ሙሁራት፣ ዲፕሎማትን መናእሰያትን ዝሳተፍሉ ናይ ኤርትራዉያን ምይይጥ ክካየድ'ዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡን ካብ ደገ ዝመጹን ልዕሊ 1000 ኤርትራውያን ኣብቲ ዘተ ክርከቡ ትፅቢት ይግበር።

ከምኡ'ውን ካብ ኢትዮጰያ ካብ ዓሰርተ ንላዕሊ ዓበይቲ ኣጋይሽ ናይ ክብሪ ዕዱማት ኮይኖም ኣብቲ ዘተ ክሳተፉ ምዃኖም ካብ መሰናዳኢት ኮሚቴ ኤርትራዊት ሽማግለ ተበግሶ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣይተ ኣሸናፊ ተኽላይ ኣባል እታ ኮሚቴ እንትኾኑ፡ ኣብ ሕሉፍ ዓመታት መንግስታት ዓለም ኾነ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ዝነበሮም ኣካይዳ ሒዝካ ምኻድ ከምዘይከኣል ይዛረቡ።

"ኣብ ሕሉፍ እዚ'ዩ ዝበሃል ርጡብ ፍታሕ ከምጽእ ዝኽእል ምንቅስቓስ መንግስታት ኣይረኣናን። እዚ ድማ ንህዝቢ ኮነ ነቶም ኣብ ጎይቂ ዘለዉ መንግስታት ዝረብሐ ስለዘይኾነ መጻኢ ዕድላትና ንምዉሳን እዚ መገዲ ሒዝናዮ ክንቕጽል ኣይብልናን" ይብሉ።

ቅድም ኢሎም ኣብ ዝተኻየዱ ልዝባት ኣብ ሞንጎ ዜጋታት ክልቲኤን ሃገራት ዝነበረ ኣፈላላይ ኣረዳድኣን ግንዛበን ጸገም እዘን ሃገራት ምጽባብ ከምዝተኽኣለ ዝገልጹ ኣይተ ኣሸናፊ፡ እቲ ፍረ ዘይተርኣዮ ጸገም ዝፍትሐሉ መገዲ ብቐጻልነት ኣዕሚቕኻ ከምዝዝተየሉ ተዛሪቦም።

"እቲ ቐንዲ ሓሳብ ክሳብ ሕዚ ክክየድ ዝጸንሐ ኣካይዳ ኣለይቲ ጸገም እዘን ሃገራት ዕዉት ኣይኮነን።

ንሕና ንሶም ክሰርሕዎ ኣብ ዘይክኣሉ ህዝቢ ከገድዶም ክኽእል ኣለዎ ዝብል ጻዕሪ እዩ ዘለና። ካብዚ መድረኽ ዘተ ትጽቢት ዝግበር ድማ እዚ'ዩ" ኢሎም።

Image copyright Abrham
ናይ ምስሊ መግለጺ ሙሁራትን ተንተንቲ ፖለቲካን ሕዱር ፀገም እዘን ሃገራት ነቲ ህዝባዊ ርክብ እናጎደኦ ክቕፅል የብሉን ይብሉ።

ካልእ አባል እታ ኮሚቴ ኣይተ ተመስገን ኣለም ብወገኖም ኣብ ሞንጎ ክልተ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ወገን ናይ ሓባር ድሌት ሰላም ስለዘሎ፤ ሰላም ምምጻእ ድማ ከቢድ ዕላማ ስለዝኮነ፡ ህዝቢ ኣብቲ ጉዳይ ብምስታፍ ዝከኣሎ ክገብርን እቲ ዉጽኢት ባዕሉ ዘምጽኦ ክኸዉን ከምዘለዎን'ዮም ዝዛረቡ።

"ንሕና፡ ዕስራ ዓመት ሙሉእ ኣብ 'ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት' ኢና ዘለና። ኣብ ዶብ ዘሎ ጸገም ካብ ዝኮነ ንላዕሊ ሓላሊኩ ሒዙና ኣሎ። እዚ ኣሊና ሰላመዊ ርክብ ንምፍጣር እምበኣር ነቲ ክንረኽቦ ዝኸኣልና ኤርትራዊ ክሳብ ዝከኣለና ምልዕዓልን ጻዉዒትን ገይርና ኣሎና" ኢሎም።

"ካብዚ ሓሊፉ ግና" ይብሉ ኣይተ ተመስገን፡ "ዝኾነ ኤርትራዊ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝኾነ ዓለም ብዛዕባ ሰላም ክዝቲ ከምዚ ዓይነት ባይታ ረኺቡ ኣይፈልጥን" ክብሉ ተዛሪቦም።

ሐዚ እቲ ኣንፈታት ናብ በሪ ሰላም ዝወስደና ይኸዉን'ዩ ዝብል ኣፋፍኖት ኣለዎ።

እዚ መድረኽ ዘተ ተቛሪጹ ዘሎ ርክብ ህዝቢ ክልቲኤን ሃገራት ዳግም ንክቕጸል ንምዝታይ እንትኾን፡ "ኣብ ሃገራት ኣዉሮፓን ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ዝርከቡ ዲፕሎማት ኤርትራ ዝነበሩ ኣካላት ክሳተፉ ትጽቢት ኣሎ" ክብል ድማ ሰለብሪቲ ኤቨንትስ ንቢቢሲ ገሊፁ።

"ሕዚ ናብቲ ባይታ ወሪዱ ስለዘሎ መብዛሕትኡ ተቐቢሉዎን ተስፋ ክንረኽበሉ እነመዓድዎን'ዩ" ዝብሉ ኣይተ ተመስገን ንቕድሚት ኣብ ልዕሊ መንግስታት ጸቕጢ ዘሕድሩ ዉጽኢታት ክርከቦ ትጽቢት ከምዘሎ ንቢቢሲ ገሊጾም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣስታት 165 ሽሕ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኣዕቚቦም ከምዝርከቡ መረዳእታ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት፡ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ክህልዋ ዝኽእል ርክብ ዝምልከት ፍሉይ ናይ ዲፕሎማሲ መስርሕ የዳሉ ኣለኹ እናበለ ክገልጽ'ኳ እንተጸንሐ ክሳብ ሕዚ ግን ብዕሊ ዝተገልጸ ነገር የለን።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ