መራሒ ተቓዋሚ ውድብ ዚምባብዌ ሞርጋን ሻንጋራይ ኣብ 65 ዓመቶም ዓሪፎም

ሞርጋን ሻንጋራይ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2008፡ ኣብ ከተማ ሃራሪ ንደገፍቶም መደረ እናስምዑ። Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ነዊሕ ግዘ ስልጣን ሮበርት ሙጋቤ ንከብቅዕ፡ ሞርጋን ሻንጋራይ ልዑል ግደ ኣበርኪቶም እዮም።

መራሒ ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ውድብ (ሰልፊ) ዚምባብዌ ሞርጋን ሻንጋራይ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝሞቱ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ውድብ ኤም ዲ ሲ ኣፍሊጦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር ዚምባብዌ፡ ወዲ 65 ዓመት ሞርጋን ሻንጋራይ፡ ንነዊሕ ግዘ ብናይ መዓናጡ ካንሰር ክሳቐዩ ከምዝፀንሑ እዩ ዝግለፅ።

"ሎሚ ኣጋምሸት ከምዝሞቱ ስድርኦም እዮም ነጊሮምኒ" ክብሉ ምክትል ፕረዚደንት ውድብ (ሰልፊ) ኤምዲሲ፡ ኤልያስ ሙዱዙሪ ንሮይተርስ ገሊፆም።

ዘበን ስራሕ ሞርጋን ሻንጋራይ፡ ንፕረዚደንት ነበር ዚምባብዌ ሮበርት ሙጋቤ ብምቅዋም፡ ብነዊሕ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዝተመልአ እዩ ነይሩ።

እዚ ጥራሕ ኣይኮነን፡ ብተዳጋጋሚ ተሃስዮምን ተኣሲሮምን እዮም፡ ሞርጋን ሻንጋራይ።

ሞት ሞርጋን ሻንጋራይ ዘቃልሑ፡ ሙዱዙሪ ኣብ ትዊተሮም ከምዝገለፅዎ፡ ፖለቲካዊ ውድብ ኤምዲሲ፡ "ንዲሞክራሲ ዝቃለስ ብሉፅን ቁልፍን ሰብና ስኢኑ" ኢሎም።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2000 ንፖለቲካዊ ውድብ ሰልፊ ኤምዲሲ (ምንቅስቓስ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ) ዝመስረቱ ሞርጋን ቻንጋራይ፡ ነዊሕ ግዘ ፕረዚደንትነት ሮበርት ሙጋቤ ክሳብ ዘብቅዕ ብተደጋጋሚ ተፈታቲኖሞም እዮም።

ተባዕን ዘደንቕን

ብጆሴፍ ዊንተር፡ ኢዲተርቢቢሲ ኒውስ ኦንላይን ኣፍሪቃ

ሞርጋን ሻንጋራይ፡ ገባሪ ሓዳጊ ብምዃን ንነዊሕ ግዘ ኣብ ስልጣኖም ንዝፀንሑ ሮበርት ሙጋቤ ንምቅላስ፡ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእተዉ ዘደንቕን ተባዕን ተቓላሳይ እዮም።

ዋላ እኳ ብተቓወምቶም ዝበፅሖም ዝነበረ ምፍርራሕን ግሁድ ምትላላትን ሰይሮም፡ ንሙጋቤ ብምብራር ከምቲ ዝመነይዎ ስልጣን እንተዘይሓዙ፡ ውድቀት ናይ ነዊሕ ግዘ መወዳድርቶም ግና ክርእዩ ክኢሎም እዮም።

ሞርጋን ሻንጋራይ ብፅኑዕ ኣብ ዝሓመምሉ እዋን እውን እንተኾነ፡ ይሕከምሉ ካብ ዝነበሩ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም፡ ፀረ-ሙጋቤ ኣብ ዝነበረ ተቓውሞ ግሉህ ግደ ኣበርኪቶም።

ይኹን እንበር ሮበርት ሙጋቤ ኣብ ውሑዳት ፖለቲካዊ ጉዳያት እውን እንተኾነ፡ ነዞም ተባዕን ዘደንቑን መራሒ ሕብረት ሰራሕተኛታት ነበር ሻንጋራይ ንምሕጋዝ ዝሐሹ ነይሮም።

ብፍላይ ድማ ሞርጋን ሻንጋራይ ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ኣብ ዝነበርሉ ግዘ፡ ብሓባር ስልጣን ይካፈሉ ነይሮም።

ሓደ ሓደ ኣባላት ነበር እቲ ውድብ (ሰልፊ) ግና፡ መስራቲ ኤምዲሲ ንዝኾኑ ሞርጋን ሻንጋራይ፡ ብዝንባለታት ውልቀ ምልክነትን ነቲ ውድብ ብምፍንጫልን ብዝብል ብተደጋጋሚ ከሲሶሞም እዮም።

በቲ በለ በቲ ግና፡ ሕዚ ፖለቲካዊ ውድብ ኤምዲሲ፡ ዝያዳ ኩሉ ብምሕባር፡ ሎሚ ዓመት ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረፃ ዚምባብዌ፡ ንኢመርሰን ምናንጋግዋ ክነሓንሑ፡ ዕቱብ ዕዮ ይፅበዮም ኣሎ።

ብ2008 ኣቆፃፃራ ኣውሮጳውያን ኣብ ዝተኻየደ መረፃ ዚምባብዌ፡ ሞርጋን ሻንጋራይ ኣብ ቀዳማይ ዙር ፅቡቕ ድምፂ ረኺቦም እኳ እንተነበሩ፡ እዚ ድምፂ ግና ክዕወቱ ኣየኽኣሎምን።

ካልኣይ ዙር ምሃብ ድምፂ ቅድሚ ምክያዱ ድማ፡ ሓይልታት ፀጥታ ሙጋቤ፡ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት (ሰልፍታት) እታ ሃገር ስጉምቲ ብምውሳዶም፡ ሻንጋራይ ንባዕሎም ካብቲ መረፃ ኣግሊሎም።

ኣብቲ እዋን ሮበርት ሙጋቤ ከምዝሰዓሩ እኳ እንተተገለፀ፡ ስዒቡ ውፅኢት እቲ መረፃ ዝቃወሙ፡ ዝተፈላለዩ ናዕብታት ስለዝተፈጠሩ ግና፡ ሞርጋን ሻንጋራይ ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ንክኾኑ ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ።

ይኹን እንበር በዚ በቃይ ዘይበሉ ሻንጋራይ፡ ኣብ 2013 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ዳግማይ ንሙጋቤ ክቃወሙ ጀሚሮም።

ተወሳኺ ዛንታ