ጃኮብ ዙማ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ

ጃኮብ ዙማ

ኣብ ወጥሪ ዝጸንሐ ፕሬዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ጃኮብ ዙማ ድሕሪ ካብ ሰልፉ (ውድቡ) ዝወረዶ ብርቱዕ ጸቕጢ ካብ ስልጣኑ ብፍቓዱ ወሪዱ።

ጃኮብ ዙማ ኣብ ቴሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዋላ'ኳ ምስቲ ውሳነ ናይ ሰልፊ ኤ ኤን ሲ [ANC] ዘይሰማማዕ እኳ እንተኾነ፡ ብፍቓዱ ካብ ስልጣኑ ከምዝወረደ ኣፍሊጡ።

ሰልፊ (ውድብ) ኤ ኤን ሲ ፡ ዙማ ብፍቓዱ ካብ ስልጣኑ እንተዘይወሪዱ፡ ኣባላት ባይቶ ኣብኡ እምነት ከምዘይብሎም ብምድማጽ ካብ ስልጣኑ ከውርድዎ ምዃኖም ገሊጾምሉ ነይሮም።

እቲ ወዲ 75 ዓመት ዙማ፡ ስልጣኑ ንምኽትል ፕሬዚደንትን ሓድሽ መራሒ ሰልፊ ኤ ኤን ሲን ሲርያል ራማፎሳ ከረክብ ክሕተት ጸኒሑ።

እቲ ካብ 2009 ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ዙማ፡ ብብልሽውና ክውንጀል ጸኒሑ።

ብሮቡዕ 14 ለካቲት፡ ፖሊስ'ታ ሃገር ኣብ ጁሃንስበርግ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ናይ ሓደ ኣዝዩ ሃብታምን ናይ ቀረባ ዓርኪ ዙማን ዝኾነ ጉብታ ብምኻድ ከምዝፈተሽዎ ተፈሊጡ።

ዙማ ከመይ ገይሩ ስንብትኡ ካብ ስልጣን ኣፍሊጡ?

መደርኡ ምስቶም ጋዜጠኛታት ብስሓቕን ጭርቃንን ብምጅማር። ስለ ምንታይ ኣዝዮም ከምዝተገደሱ ድማ ሓቲትዎም።

ነቶም ንዓመታት ምስኡ ዝሰርሑ ሰባት ድሕሪ ምምስጋን ድማ እቲ ኣብ ሰልፊ ኤ ኤን ሲ ዘሎ ምጉጅጃልን ጎንጽን ድማ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ከምዝጸለዎ ኣፍሊጡ።

"ብሰንከይ ዝኾነት ሂወት ክትጠፍእ የብላን። ሰልፊ ኤ ኤን ሲ'ውን ብሰንከይ ክትጎጃጀል የብላን። ስለዚ፡ ብፍቓደይ ካብ ፕሬዚደንት ሪፐብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃ ክወርድ ውሲነ" ኢሉ ፕሬዚደንት ዙማ።

"ዋላ'ኳ ምስቲ ውሳነ ናይቶም መራሕቲ ውድበይ ኣይሰማማዕ፡ ስነ-ስርዓት ዘለዎ ኣባላት ሰልፊ ኤ ኤን ሲ ኢየ ነይረ"።

"ዋላ'ኳ ካብ ስልጣነይ ይሰናበት፡ ንህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃን ነቲ ምሉእ ሂወተይ ዘገልገልኩዎ ሰልፊ ኤ ኤን ሲን ከገልግል ኢየ" ኢሉ ዙማ።

ሰልፊ ኤ ኤን ሲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ናይ ፕሬዚደንት ዙማ ናይ ስልጣን ስንብት "ብርግጽ ንህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ" ኢዩ ተዋሂቡ ኢሉ።

"ፕሬዚደንት ዙማ መትከላዊ ኣባል ኤ ኤን ሲ ኮይኑ ክቕጽል ኢዩ። ሰልፊ ኤ ኤን ሲ ድማ ነቲ ዝገበሮ ብሉጽ ኣበርክቶ ከሞግሱ ይፈቱ" ኢሉ ጀሲ ዱኣርተ፡ ምክትል ዋና ጽሓፊ ኤ ኤን ሲ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ።

ኣብ እዋን ዓሌታዊ ስርዓት ደቡብ ኣፍሪቃ [ኣፓርታይድ]፡ ዙማ ኣባል ናይቲ ወተሃደራዊ ክንፊ ናይ ሰልፊ ኤ ኤን ሲ ኢዩ ነይሩ። ካብ ተራ ኣባል ሰልፊ ስጋብ ፕሬዚደንት ሃገር ድማ በጺሑ።

እንተኾነ፡ ዙማ ብዝተፈላለየ ጸለመታት እናተወንጀለን ቁጠባ ሃገር ድማ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣብ ዘለወሉ እዋን ኢዩ ካብ ስልጣኑ ዝሰናበት ዘሎ።

ኣዝዩ ዘሕምም እዋን

ብኣብ ጆሃንስበርግ ዝርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ፡ ሚልቶን ንኮሲ ዝተገብረ ትንተና

ናይ ፕሬዚደንት ጃኮን ዙማ ብፍቓዱ ካብ ስልጣኑ ምውራዱ መወዳእታ ናይ ሓደ ዘበን የመልክት። ናይ ሓደ ድሕሪ ሓደ ዝቐርብ ዝነበረ ናይ ብልሽውና ጠቐነታት ዘበን። ናይ ምጉጅጃል፡ ጎንጽን ቆይቅን ዘበን።

ብዙሓት ሕጂ ብናይ ዙማ ካብ ስልጣኑ ምስንባቱ ዝሕጎሱ ኣለው፡ ኣባላት ተቓውምቲ'ውን ኣይኮኑን።

ጀሲ ዱኣርተ ብዛዕባ ሓፈሻዊ መንፈስ ደገፍቲ ዙማ ክትዛረብ ኮላ፡ "ብርግጽ ኣዝያ እተሕምም እዋን ኢያ" ኢላ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት