ጥቕዓት ቤት ትምህርቲ ፍሎሪዳ፡ ብንኡሱ 17 ተምሃሮ ህይወቶም ሓሊፉ

ብጉጅለ ተሰሊፎም ካብቲ ቤት ትምህርቲ ዝወፅኡ ተምሃሮ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ብጉጅለ ተሰሊፎም ካብቲ ቤት ትምህርቲ ዝወፅኡ ተምሃሮ

ኣብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ፓርክላንድ ፍሎሪዳ (አሜሪካ) ሓደ ወዲ 19 ጥርጡር ብዝኸፈቶ ተኹሲ ብንኡሱ 17 ተምሃሮ ከምዝተቐተሉ ፖሊስ ሓቢሩ።

እቲ ጥርጡር ኒኮላስ ክሩዝ ዝበሃል ኮይኑ ቅድም ክብል ካብቲ ቤት ትምህርቲ ብስነ ምግባር ዝተባረረ ምዃኑ መረዳእታ ፖሊስ ይሕብር።

ፖሊስ ናብ ቀፅሪ እቲ ቤት ትምህርቲ እንትኣትው በቲ ተኹሲ ዝተደናገፁ ተምሃሮ ህይወቶም ንምትራፍ ፎቖዱ ተሓቢኦምን ተሸጒጦምን ተረኺቦም።

እዚ ክሳብ ሕዚ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ዝተፈፀሙ ጥቕዓታት እቲ ብጣዕሚ ዝኸፍአ እዩ ተባሂሉ።

ናይቲ ከባቢ ተፀዋዒ ሸሪፍ ስኮት እስራኤል፡ ንጋዜጠኛታት ከምዝገለፆ፥ እቲ ጥቕዓት ዝፈፀመ መንእሰይ፥ ናብ ውሽጢ እቲ ቀፅሪ ኣትዩ 12 ተምሃሮ ቅድሚ ምቕታሉ ኣብ ደገ እቲ ቐፅሪ 3 ቀቲሉ።

ክልተ ከኣ ናብ ሆስፒታል ምስ ተወሰዱ ብዙሕ ከይደንጎዩ ሞይቶም።

"ብጣዕሚ መደንፀዊ እዩ። ከመይ ከምዝገልፆ ኣይፈልጥን " ኢሉ ስኮት እስራኤል።

Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ድሕሪ እቲ ጥቕዓት ተምሃሮ ምስ ወለዶም እንትራኸቡ

ናይቲ ከባቢ ሓለዋ ጥዕና ተኸታተሊ ዶክተር ኢቫን ቦያር ብወገኑ፥ ብድምር 17 ኣብ ጥቓ እቲ ቤት-ትምህርቲ ናብ ዝርከቡ ሆስፒታል ዝተወሰዱ ምዃኖም ተዛሪቡ።

ካብ መንጎ እቶም ሓገዝ ዝተገበረሎም ተኹሲ ዝኸፈተ ክሩዝ ሓደ እንትኸውን ቀፂሉ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ምውዓሉ ወሲኹ ይዛረብ።

ካብ ሞንጎኦም 3 ከቢድ ጉድኣት ስለዝበፅሖም ኣብ ዘፍርሕ ኩነታት ዘለዉ እንትኾኑ፥ ካልኦት ሰለስተ ኣብ ደሓን ኩነታት ይርከቡ ይብል።

መንነት እቶም ግዳያት ክሳብ ሕዚ ዘይተገለፀ እንትኸውን፥ ካብ ሞንጎኦም ሓደ ኣሰልጣኒ ኩዕሶ እግሪ ከምዝርከቦም እቲ ተፀዋዒ ሓቢሩ።

ሓደ ወላዲ ንሲ.ቢ.ኤስ ከምዝበልዎ፥ ጓሎም ኣብ ጥቓ እቲ ተኹሲ ዝኸፈተ ኮይና ደዊለትሎም። እቲ ጥቕዓት ፈፃሚ ድምፃ ከይሰምዓ ምእንታን ደጊማ ከይትድውል ኣጠንቂቖማ።

"ካብኡ ንደሓር ን20 ደቒቓ ዝኣክል ድምፂ ጓለይ ዘይምስመዐይ፥ ኣብ ህይወተይ እቲ ብጣዕሚ ዘጨንቕ አጋጣሚ ነይሩ" ኢሎም።

ተወሳኺ ዛንታ