ቀዳማይ ሚንስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ መን'ዮም?

ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ 2012 ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኮይኖም ተሸይሞም። ናቶም ናብ ስልጣን ምምፃእ ድማ ብድሕሪ ሞት ቀዳማይ ሚንስትር ነበር መለስ ዜናዊ ተፈጢሩ ንዝነበረ ጥርጣረታት ምላሽ ኮይኑ።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ሃይለማርይም ደሳለኝ ንነዊሕ እዋን ምኽትል ቀዳማይ ሚንስትር ኮይኖም ሰሪሖም

ምኽትል ቀዳማይ ሚንስትርን ሚንስትር ጉዳያት ወፃእን ኮይኖም ዘገልገሉ ኣይተ ሃይለማርያም፡ ንመለስ ዜናዊ ዝቐረቡ ምንባሮም ይእመን።

ናብ ስልጣን ክመፁ ቃለ-ማሓላ እንትፍፅሙ'ውን ክብርታት መለስ ብዘይገለ ለውጢ ከምዘቐፅሉ ቃል ኣትዮም ነይሮም።

ስርዓት ደርጊ ካብ ስልጣን ምስተዓለወ ብ1991 ናብ ስልጣን ዝመጹ ቀዳማይ ሚንስትር ነበር መለስ ዜናዊ፡ ብሕማም ህይወቶም ሓሊፉ።

ሃይለማርያም ደሳለኝ ነታ ሃገር ይመርሕ ንዘሎ ናይ ኢትዮጵያ ህዝብታት ወያናይ ዴሞክራሲያዊ ግንባር (ኢህወዴግ) እውን ብኣቦ መንበርነት ይመርሑ።

ብድሕሪ ሞት መለስ ዜናዊ ናብ ስልጣን ኣብ ዝመፁሉ እዋን ነቲ ዝለዓለ ሃገራዊ ሓላፍነት ንምሓዝ ፈታኒ ኩነታት ገጢምዎም ከምዝነበረ ይዝረብ።

ብሃይማኖቶም ፕሮቴስታንት ክርስትያን ዝኾኑ ኣይተ ሃይለማርያም ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ካብ ዝርከብ ህዝቢ ወላይታ ዘርኢ ሓረጎም ይምዘዝ።

መብዛሕቲኦም ኣባላት ኢህወዴግ ኣመፃፅእኦም ምስ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝተሓሓዝ እንትኸውን፡ ንሶም ግን ኣብ ላዕለዎት ትካልት ትምህርቲ ዝፀንሑ ሙሁር እዮም።

ቀዳማይ ሚንስትር ነበር መለስ ዜናዊ ኣብ 2009 ብዝሓንፀፅዎ ሙሁራት ናብ መሪሕነት ናይ ምምፃእ መደብ፡ ናብቲ መሪሕነት ክድይቡ ኪኢሎም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት