ሲሪል ራማፎዛ ሓድሽ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ብምዃን ቃለ-ማሕላ ፈጺሙ

ፕረዚደንት ራማፎዛ
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕረዚደንት ራማፎዛ ኣንጻር ብልሽውና ንምቅላስ ከቢድ ሓላፍነት ተሰኪሙ'ሎ

ሲሪል ራማፎዛ፡ ሓድሽ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ብምዃን ሎሚ ሓሙስ 15 ለካቲት 2018 ኣብ ባይቶ እታ ሃገር ቃለ-ማሕላ ፈጺሙ።

እዚ ክኸውን ዝኣኻለ፡ እቲ ካብ ስልጣኑ ከይወርድ ሓንጊዱ ዝቐነየን ብብልሽውና ዝኽሰስን ፕረዚድንት ጃኮብ ዙማ፡ ትማሊ ምሸት ካብ ስልጣኑ ምውራዱ ብወግዒ ድሕሪ ምግላጹ'ዩ።

ድሕሪ'ቲ ቃለ-ማሕላ ንባይቶ እታ ሃገር ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ናይ ህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ ክኸውን'የ" ድሕሪ ምባል፡ ብልሽውናን ምብካል መንግስትን ንምውጋድ ከም ዝሰርሕ ቃል ኣትዩ።

ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎዛ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ታሕሳስ ዝተኻየደ ጉባኤ ሰልፊ ሃገራዊ ኣፍሪቃዊ ባይቶ፡ ኤ ኤን ሲ፡ ፕረዚደንት ተመሪጹ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ፈጻሚ ኣካል እቲ ሰልፊ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፡ ፕረዚደንት ነበር ጃኮብ ዙማ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ውሳነ ኣሕሊፉ ነይሩ።

እንተኾነ ግን እቲ ጃኮብ ዙማ፡ ዋላ'ኳ ብመትከል ካብ ስልጣኑ ክወርድ ተሳማሚዑ ዝነበረ እንተኾነ፡ ካብ ሰለስተ ክሳብ ሽድሽተ ኣዋርሕ ኣብ ስልጣኑ ክጸንሕ ዘቕረቦ ጠለብ፡ በቲ ላዕለዋይ መሪሕነት ናይቲ ሰልፊ ተቐባልነት ኣየረኸበን።

እቲ ፕረዚድነት ሰልፊ ANC ዝኾነ ሲሪል ራማፎዛ፡ ምክትል ፕረዚደንት እታ ሃገር ኮይኑ ከገልግል ከም ዝጸንሐ ይዝከር።

ፕረዚደንት ራማፎዛ፡ ዋላ'ኳ ኣብ ፈጻሚ ኣካል እቲ ሰልፊ ንነዊሕ ዝጸንሐ እንተኾነ፡ ኣብ ንግዲ ዓለም ተዋፊሩ ዝጸንሐ ሚልየነር ከም ዝኾነ'ዩ ዝንገረሉ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሓደ ካብቶም ምስ ፕረዚድንት ጃኮብ ዙማ ምትእስሳር ከም ዘለዎም ዝንገረሎም ብእንዳ ጉፕታ ዝጽውዑ ኣሕዋት ሰብ ሃብቲ፡ ብጉዳይ ብልሽውና ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ከም ዘሎ ፓሊስ እታ ሃገር ኣፍሊጡ'ሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት