መምህራንን ኤፍ ቢ ኣይን፡ ብዛዕባ መጥቃዕቲ ፍሎሪዳ መጠንቀቕታ በፂሕዎም ነይሩ

ተምሃሮ ቤት ትምህርቲ ፍሎሪዳ

ኤፍ ቢ ኣይ [FBI - ናይ ኣሜሪካ ናይ መርመራ ትካል] ነቲ ኣብ ፍሎሪዳ ብሮቡዕ ቅትለት ዝፈጸመ ወዲ 19 ዓመት መንእሰይ፡ ቅድሚ'ቲ ቅትለት ንዝረኸብዎ መጠንቅቕታ ብኸመይ ክጥቀምሉ ከምዝነበሮም ምግምጋም ጀሚሮም ኣለው።

እቲ ወዲ 19 ዓመት ኒኮላስ ክሩዝ፡ ብኣቐዲሙ ዝተወጠነ ቅትለት ብምኽሳስ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ኣሎ። እዚ ናይ ሮቡዕ ናይ 17 ሰባት ቅትለት እቲ ድሕሪ ናይ 2012 ኣብ ሓደ ቤት ትምሃርቲ ዝተኻየደ ቅትለት እቲ ዝኸፍአ ኢዩ ነይሩ ተባሂሉ።

ክሩዝ ዓሚ ኣብ ዩ ትዩብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ቅትለት ዝፍጽም ክኢላ" ክኸውን ከምዝኾነ ኣተንቢሁ ነይሩ።

ኤፍ ቢ ኣይ ብሓደ ዩ ትዩብ ተጠቃሚ ብዛዕባ ናይ ክሩዝ ርእይቶ ኣመልኪቱ ኣጠንቂቕዎም ከምዝነበረ ተኣሚኑ።

መምህራን'ውን ብክሩዝ ክጥንቀቑ ከምዘለዎም ተሓቢሮም ነይሮም። ክሩዝ ናብ ቀጽሪ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ቦርሳ ተሓንጊጡ ከይኣቱ ተኸልኪሉ ከምዝነበረ ናይ ኣሜሪካ ናይ ዜና ማዕከን ሓቢሩ።

ኤፍ ቢ ኣይ ነቲ ኣብ ዩ ትዩብ ተዘርጊሑ ዝነበረ ርእይቶ ፈቲሽዎ ከምዝነበረን እቲ ነቲ ርእይቶ ዝሃበ ሰብ ግና ብስርዓት ከለልዮ ከምዘይከኣለ ገሊጹ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ፓርክላንድ ካሊፎርንያ ዝርከብ ማርጆሪ ስቶንማን ዳግላስ ካልእይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኢዩ ተኻይዱ።

በቲ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ 17 ሰባት ክቕተሉ ካብቶም ዝቖሰሉ 14 ሰባት ድማ ሰለስተ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘለው ተፈሊጡ ኣሎ።

ክሩዝ ብሓሙስ ንመርመርቱ ነቲ ቅትለት ከምዝፈጸሞ ናይ እምነት ቃሉ ሂቡ። ነቲ ቅትለት ኣብ ዝፈጸመሉ እዋን ድማ ጠያይቲ ዝመልአ ናይ ተማሃሮ ቦርሳ ተሰኪሙ ከምዝነበረ ገሊጹ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ወዲ 19 ዓመት ኒኮላስ ክሩዝ፡ 17 ሰባት ብምቕታል ተኸሲሱ ኣሎ።

እቲ ዝተዋህበ መጠንቀቕታ እንታይ ነይሩ?

ቤን ቤናይት ዝተባህለ ናይ ዩ ቱብ ተጠቃሚ ዓሚ ናይ ክሩዝ ርእይቶ ምስረኣየ ንኣባላት ኤፍ ቢ ኣይ ከምዝሓበሮምን ን20 ደቓይቕ ብዛዕብኡ ከምዝተዘራረቡ ገሊጹ።

ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ድማ ኣባላት ኤፍ ቢ ኣይ ከምዝረኸብዎ ገሊጹ።

ናይ ሒሳብ መምህር ጂም ጋርድ ንሚያሚ ሄራልድ ከምዝሓበሮ፡ ክሩዝ ናብ ቀጽሪ እቲ ቤት ትምህርቲ ቦርሳ ተሓንጊጡ ከይኣቱ ከምዝተኸልከል ሓለፍቲ እቲ ቤት ትምህርቲ ከምዝሓበርዎም ገሊጹ።

"ከምዝመስለኒ ዓሚ ክሩዝ ንገለ ተምሃሮ ብምፍርርሑ ካብ ቤት ትምህርቲ ተሰጒጉ" ኢሉ ጂም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ