ግምታት ላውሮ ኤፍ ኤ ካፕ ብላውሮ

ግምታት ላውሮ ኤፍ ኤ ካፕ
ናይ ምስሊ መግለጺ ግምታት ላውሮ ኤፍ ኤ ካፕ

ተንታኒ ስፖርት ቢቢሲ ማርክ ላውሮ ኣብ ግጥማት ኤፍ ኤ ካብ ግምታቱ ሂቡ።

ስተር - ሸፊልድ ዩናይትድ

ተጻወትቲ ሌይስተር ብዝውንዎ ልዑል ዓቕሚ፤ ንሸፊልድ ዩናይትድ ክልተ ንሓደ ብዝኾነ ውጽኢት ከምዝረትዕዎም ላውሮ ግምቱ ኣቐሚጡ።

ቸልሲ - ሃልሲቲ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንዌስት ብሮም ዝሰዓረት ጋንታ ቸልሲ ንሃል ክልተ ንባዶ ክትስዕራ ከምእትኽእል'ውን ኣመተ ላውሮ የመላኽት።

ቀዳም

ሸፍ ወድ - ስዋን

ነበር ኣሰልጣኒ ጋንታ ሸፍ ወድ ናብ ስዋንዚ ካብ ዘቕንዕ ጀሚሩ ዘስደምም ዓይነት ብቕዓት'ኳ ዘርኣየ እንተኾነ ጽባሕ ምስ ናይ ቀደም ጋንትኡ ኣብ ዘካይዶ ጸወታ ግን ክልተ ንባዶ ከምዝሰዓር ላውሮ ገሚቱ።

ብራይ- ኮቨንትሪ

ኮቨንትሪ ኣብ ኤፍ ኤ ካፕ ጽቡቕ ጸወታ ከምዝነበሮም ዝገልጽ ላውሮ፤ እንተኾነ ግና ተጻወትቲ ጋንታ ብራይተን ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሮም የርእይዎ ብዘለዉ ዝሓሸ ጸወታ ንኮቨንትሪ ክልተ ንባዶ ክስዕርዎም ከምዝኽእሉ ሓቢሩ'ሎ።

ዌስትብሮም - ሳውዝ ምፕተን

ዌስትብሮምን ሳውዝሃምፕተንን ኣብ ቀረባ እዋናት ኣብ ዘካየድኦ ጸወታታት በዝሒ ሸቶታት'ኳ ዝተመዝገበ እንተኾነ ግምት ላውሮ ግና ዌስትብሮም ሓደ ንባዶ ብዝኾነ ውጽኢት ከምእትስዕር የመልክት።

ሃደርስፊልድ - ማንቹስተር ዩናይትድ

" ጋንታታት ሃደርስፊልድን ማን ዩናይትድን ኣብ ዘካየድኦ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ነይረ እየ። እቲ ጸወታ ብዓወት ጋንታ ሃደርስፊልድ ተዛዚሙ ምንባሩ እዝክር"። እንተኾነ ግና ማን ዩናይትድ ካብቲ ኣሽዒቱ ዝነበሮም ኣፈጻጽማ ሎሚ ኣብ ዝሓሸ ብቕዓት ስለዝርከቡ ንሃደርስፊልድ ክልተ ንሓደ ብዝኾነ ውጽኢት ክስዕርዎም ይኽእሉ ክብል ላውሮ ግምቱ የቐምጥ።

ሰንበት

ሮችዳል - ቶትንሃም

ሮችዳል ክልተ ንባዶ ክትሰዓር ከምእትኽእልን ከምኡ'ውን ሶኒ ካብ ዝካየዱ ጸወታት ዊጋን ብማንቹስተር ሲቲ ሰለስተ ንባዶ ብዝኾነ ገፊሕ ኣፈላላይ ከምእትሰዓር ላውሮ ግምታቱ ኣቐሚጡ ኣሎ።