ፀላም መሲላ ክትዋሳእ ዝፈተነት ቻይናዊት "ብዘርኣውነት" ተነቂፋ

ምንጪ ስእሊ, Youtube/CCTV
እቲ ምርኢት ኣብ ዓለምና በዝሒ ተመልከትቲ ዘለውዎ መደብ ቴሌቪዥን ከምዝኾነ ይዝረብ
ኣብ ዓመታዊ ምርኢት ቴሌቪዠን ቻይና ዝቐረበ ምድላው ሰፊሕ ነቐፌታን ጉዳይ ዘርኣውነትን ኣልዒሉ ኣሎ።
ሓንቲ ኤስያዊት ተዋሳኢት ርክብ ቻይና-ኣፍሪካ ንምፅምባል ኣብ ዝቐረበ ተዋስኦ፡ ገፃ ፀሊም ሕብሪ ተለኽያን መቐመጭኣ ብተወሰኽቲ ነገራት ኣግዚፋን'ያ ናብ መድረኽ ቀሪባ።
ንፀለምቲ ህዝብታት ክትመስል ፀሊም ሕብሪ ንገፅካ ምልካይ ከም ዘይሕጋዊ ተግባር ዝቖፀርዎ ብዙሓት'ዮም። ሓደ ሓደ ወሃብቲ ርእይቶ ግን ተግባር እታ ተዋሳኢት ንኽብሪ ኣፍሪካውያን ከምዘይትንክፍ ገሊፆም።
እቲ ኣብ ሃገራዊ ጣብያ ቴሌቪዥን ቻይና ዝፍኖ ዓመታዊ ምርኢት ፍሉጥን ኣስታት 800 ሚልዮን ሰባት ዝርእይዎን'ዩ።
ምንጪ ስእሊ, Youtube/CCTV
ብቻይናዊት ተዋሳኢት ዝተወከላ ኣፍሪካዊት ኣደ መቐመጭአን ብዝተጋነነ ምስሊ ቀሪቡ
ቻይናውያን ተዋሳእቲ ንኻልኦት ዓሌታት ክመስሉ ዝጥቀሙሎም ሜላታት ሕቶታት ክለዓሉ እንትገብሩ ንፈለማ እዋን ኣይኮነን።
ኣብቲ ተዋስኦ ኣፍሪካውያን'ውን ተሳቲፎም ነይሮም።
ኮይኑ ግን እታ ቻይናዊት ፀላም ዘምስላ ሕብሪ ተቐቢኣ ናብ መድረኽ እንትትኣቱ፤ ጓላ ኮይና ዝተዋስአት ግን ትኽክለኛ ኣፍሪካዊት መንእሰይ ነይራ።