ውቁባት ስእልታት ኣፍሪካ ኣብዚ ሰሙን
ንኣፍሪካን ኣፍሪካውያንን ዝገልፁ ምሩፅት ስእልታት እዚ ሰሙን።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኬንያ ናይሮቢ - ኣብ ዝሓለፈ ሮብዕ ዕዱማት ንሓድሽ ፊልም 'ብላክ ፓንተር' ብቴክኖሎጂ 3ዲ እንትርእዩ። እቲ ፊልሚ ንፈለማ እዋን ንኣፍሪካዊ ተዋስኣይ ገፀ-ብህርይ 'ሱፐርሂሮ' ዘላበሰ እዩ።
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣክዋሲ ፍሪምፖንግ፡ ጋናዊ ተወዳዳሪ 'ስከለተን ሬስ' ኣብ ደቡብ ኮርያ ይካየድ ኣብ ዘሎ ናይ ክረምቲ ኦሎምፒክ
ምንጪ ስእሊ, AFP
ናይጀርያዊ ሲሚደል ኣዴግቦ፡ ካልእ ኣብ 'ስከለተን ሬስ' ዝወዳደር ኣፍሪካዊ። ኣዴግቦ ኣብ ልምምድ።
ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኬንያዊት ሳብሪና ሲማዴር ኣብ ደቡብ ኮርያ ብደቀኣንስትዮ ኣብ ዝገበረቶ ውድድር መበል 59 ወፂኣ።
ምንጪ ስእሊ, Reuters
መዓልቲ ፍቑራት ኣብ ናይጀርያ - ማእኸላት ፅባቐ ከተማ ኣቡጃ ፅፍረን ከፀባብቓ ብዝደለያ ደቀኣንስትዮ ተጨናኒቐን ነይረን።
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኬንያ ዕምበባ ፍዮሪ ብምፍራይን ናብ ደገ ሰደድ ብምግባርን እትልለ ሃገር'ያ። ኣብ መዓልቲ ፍቑራት ድማ ርእሰ ከተምኣ ናይሮቢ ከምዚ ወቂባ ነይራ።
ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፖለቲካዊ ተቓዋሚ በቀለ ገርባ ካብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምውፅኡ ደገፍቱ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ታሕጓሶም ገሊፆም።
ምንጪ ስእሊ, AFP
ብሕልፈት መራሒ ፖለቲካዊ ተቓዋሚ ዚምባብወ ሞርጋን ሻንጋራይ፤ ዚምባብያውያን ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተረኺቦም ሓዘኖም ገሊፆም። ሞርጋን ኣብ መበል 65 ብሕማም መንስሮ (ካንሰር) ሞይቶም።
AFP፣ ሮይተርስን ጌቲ ኢሜጅን ምንጭታት እዞም ስእልታት'ዮም።