ኢትዮጵያ፡ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ንሽድሽተ ወርሒ ክጸንሕ'ዩ

ሚኒስተር ምክልኻል ኣቶ ሲራጀ ፈርጌሳ
መግለጺ ስእሊ,

ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ሓደ ኮማንድ ፖሰት (እዚ) ኣትዮም ኣለዉ

ትማሊ ድሕሪ ቐትሪ ብቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ ዝተኣወጀ: ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ንሽድሽተ ወርሒ ከምዝፀንሕ ሚኒስተር ምክልኻል ኣይተ ሲራጅ ፈርጌሳ ኣፍሊጦም::

እቲ ኣዋጅ ኣድላይ ኮይኑ እንተተረኺቡ ንተወሳኺ ኣርባዕተ ወርሒ ክናዋሕ ከምዝኽእል'ውን እቶም ሚኒስተር ገሊጾም::

ኣይተ ሲራጅ: ብዛዕባ መሰጋገሪ መንግስቲ ምጥያሽ ኣመልኪቱ ንዝቐረበሎም ሕቶ ምላሽ እንትህቡ: ተቐባልነት ዘለዎ ከይዲ ከምዘይኮነ ተዛሪቦም::

ኣይተ ሲራጅ ፈርጌሳ: ሎም መዓልቲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ: እቲ ትማሊ ብዕሊ ዝተነበረ ኣዋጅ ህፁፅ ጊዜ ተኸታቲሉ ዘፈፅም ኮማንድ ፖስት ከምዝተጣየሸ ሓቢሮም::

እቲ ንኹሎም ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ሓደ እዚ ዝጥርንፍን ብቀዳማይ ሚኒስተር ዝምራሕ ኮማንድ ፖስትን: ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ፀገም ናብ ንቡር ንምምላስ 18 ዕማማት ተዋሂቡዎ'ሎ::

መግለጺ ስእሊ,

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃለማርያም ደሳለኝ ብሰንኪ እቲ ኢትዯጵያ ኣትያቶ ዘላ ቅልውላዉ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ሓቲቱ'ሎ

ነዚ ኣዋጅ ንምእዋጅ ምኽንያት ዝኾነ: ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ቅልውላው: ናዕብን ጎንፅን ባህሊ ሓቢርካ ምንባር ህዝብታት ዘሐርፍፍን ሓድነት እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘሳጥሕን ኩነታት እናተጋደደ ምምፅኡን፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከይተረፈ እቲ ፀገም ከምዝተርአየን'ውን ኣይተ ሲራጅ ጠቒሶም::

ምስ'ዚ ኣብ ዝተሳሰር፡ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ጸጥታ እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ንሰላምን ምርግጋእን ኢትዮጵያ ዝፈታተኑ ዝበሎም 'ናይ ውሽጥን ወጻእን ሓይልታት" ሕጋዊ ስጉምቲ ከም ዝወስድ ኣጠንቂቑ'ሎ።

ቅድም ክብል ኢህወዴግ ን17 መዓልታት ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ እቲ ፀገም ክፍታሕ እንተዘይተኻኢሉ ኣዋጅ ህፁፅ ጊዜ ንምእዋጅ ወሲኑ ከምንዝነበረ'ውን ኣዘኻኺሮም::

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ ብዓርቢ 16 ለካቲት ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ኣዊጁ።

ብመሰረት ዓንቀጽ 93 ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ከንብር ይኽእል እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ አካል ፍታሕ እቲ ዝተፈጠረ ፀገም ንምዃን ብሓሙስ 15 ለካቲት ካብ ስለጣኖም ንምልቃቕ ከም ዝሓተቱ ይዝከር።

ፈጃሚ ኣካል ኢሂወደግ ንጠለብ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ተቐቢልዎ እኳ እንተሎ፡ ናይ መወዳእታ ወሳነ ዝሀቡሉ ግን እቲ ኣብ'ዚ ቀረባ እዋን ክእከብ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ቤት ምኽሪ እቲ ሰልፊ ምዃኑ ባዕሎም ኣይተ ሃይለማርያም ገሊጾም።

እቲ ቤት ምኽሪ ነቲ ጠለብ እንተ ተቐቢልዎ፡ ንስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተር ዝርከብ ሓድሽ ኣቦመንበር እቲ ሰልፊ ክመርጽ ትጽቢት ይግበር። እንተኾነ ግን መን ክትክኦም ከም ዝኽእል ዛጊት ዝተፈልጠ ነገር የለን።