ኣብ ሰሜናዊ-ምብራቕ ናይጀርያ ሓያሎ ሰባት ተቐቲሎም

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ጉጅለ ቦኮሓራም ቀጻሊ መጥቃዕትታት የካይድ ኣሎ

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀርያ ኣብ እትረከብ ኮንዱጋ ዝተባህለት ንእሽቶይ ከተማ ብዘጋጠመ ሰለስተ ናይ ነብሰ-ቅትለታዊ መጠቃዕቲ ሽበራ ብዉሑዱ 18 ከምዝሞቱ፡ ምንጭታት ጸጥታ'ታ ሃገር ሓቢሮም።

እቲ ስሉሳዊ መጥቃዕቲ ብጥሩፋት ጉጅለ ቦኮሓራም'ዩ ተፈጺሙ ዝብል ግምታት'ኳ እንተሃለወ፡ እቲ ጉጅል ግን ነቲ መጥቃዕቲ ጌና ሓላፍነት ኣይወሰደሉን ዘሎ።

እስላማዊ መንግስቲ ኣብ ሰሜን ናይጀርያ ንኽተክል ብምሕላን ብ2009 ዝተመስረተ ጉጅለ ቦኮሓራም ዛጊት ብዘካየዶ ጎነጻዊ ወፍሩ፡ ሓደ 20,000 ዝኾኑ ሰባት ክቐትል እንከሎ፡ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ካልኦት ድማ ካብ ዓዶም ከምዝመዛበሉ ጌይሩ'ዩ።

ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ፡ 18 ሲቪላውያን ሰባት ከምኡ'ዉን ሓደ ወትሃደርን በቲ መጥቃዕትታ ቦምብ፡ ህይወቶም ክስእኑ እንከለዉ፡ ብዉሑዱ 50 ዝኾኑ ካልኦት ድማ ቆሲሎም ኣለዉ።

ዋላ'ኳ ሰበ-ስልጣን ናይጀርያ ንቦኮሓራም ከምዝሰዓሮ ዝዛረብ እንተኾነ፡ እቲ ጂሃዳዊ ጉጅለ ግን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጽሞ መጥቃዕትታቱ ጌና ኣይየቋረጸን።

ዝሓለፈ ወርሒ፡ ቦምብታት ዝተዓጠቓ ክልተ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኣብ ሓንቲ ጥቓ ኮንዱጋ ኣብ እትርከብ ዓዲ ነብሰ-ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ከምፈጸማ ይፍለጥ።

ክሳብ ሕጂ፡ ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ዘለዎም ኣባላት'ታ ጉጅለ ብምስጢር ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም ተፈሪዶም'ዮም።

ኣብ ዝሓለፈ፡ ሓደ ካብቲ ብቦኮሓራም ዝተኻየደ ዓቢይ ስርሒት፡ ብ2014 ካብ ሓንቲ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ እትርከብ ከተማ ቺቦክ ዝነበረት ቤት ትምህርቲ፡ ምጥላፍ ልዕሊ 270 ዝኾና ደቂ-ኣንስትዮ ተማሃሮ ኢዩ ነይሩ።