ጥርጡራት ቦኮሓራም ብነፃ ክፍነዉ ተወሲኑ

ዕጡቓት ቦኮ ሓራመ Image copyright AFP

ሚንስቴር ፍትሒ ናይጀርያ፡ ምስ ቦኮ ሓራም ርክብ ኣለዎም ብዝብል ጥርጣረ ተታሒዞም ዝፀንሑ 475 ጥርጡራት ንኽሶም ዘረጋግፅ መረዳእታ ስለዝተስኣነ ብነፃ ክልቀቑ ከምዝተወሰነ ኣፍሊጡ።

ነታ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝወለደት መንእሰይ ሓዊሱ ካልኦት ደቀኣንስትዮ፣ ህፃናት፣ ዓበይትን መናእሰይን ካብቶም ነፃ ዝተለቐቑ ይርከብዎም።

ካብቶም ዝተትሓዙ ገሊኦም ካብ 2010 ጀሚሩ ኣብ ወተሃደራዊ ቤት ማሕዩር ክፀንሑ ዝተገበሩ እዮም።

ብእኩብ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ካብ ዝነበሩ ጥርጡራት እቶም 205 በቲ ገበን ተሓተትቲ ከምዝኾኑ ተፈሊጡ።

ካብኣቶም ሓደ ንመጭወይቲ 276 ደቀኣንስትዮ ቺቦክ ዘዋደደ ውልቀ-ሰብ ከምዝኾነ ድማ ኣካላት ፍትሒ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ወዲ 35 ዓመት ሃሩና ያሕያ ብዓርቢ ኣብ ዝነበረ ከይዲ ፍርዲ ንዝፈፀሞ ገበን 15 ዓመት ክእሰር ተፈሪድዎ።

ቅድም ክብል'ውን 15 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪድዎ ስለዝነበረ ብድምር 30 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘሕልፍ ተገሊፁ

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ