ምስጢራዊ ርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያን 'ስኑዕ ዜና''ዩ ተባሂሉ

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ዘይተወደአ ግጭት ክልቲአን ሃገራት መፍቲሒ ተሳኢንሉ ይርከብ

ኢንድያን ኦሽን ኒውዝለተር ዝተባህለ መጽሄት፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ ኣብ መንጎአን ዘሎ ዶባዊ ምስሕሓብ ንምፍታሕ ሚስጢራዊ ርክብ ኣካይደን ኢሉ ዝዘርገሖ ሓበሬታ 'ዝተሰነዐ ዜናዩ' ክብል ሚኒስተር ዜና ኤርትራ፡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብመንገዲ ትዊተር ሓቢሩ።

እታ መጽሄት፡ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ክራኸቡ መደብ ነይርዎም ኢላ'ኳ እንተጸሓፈት፡ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ግን 'ፈጠራዊ ሓበሬታ'ዩ' ክብል ነጺጉዎ።

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዲፕሎማስያዊ ይኹን ቁጠባዊ ርክባት ከምዘየለን፡ ኣብ ወታሃደራዊ ምፍጣጥ ኣትየን ኣብ ኣይ ሰላም ኣይ ኩናት ኩነታት ይርከባ።

ኤርትራን ኢትዮጵያን ብጉዳይ ዶብ ተሰሓሒበን ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዓ.ም. ሂወት ኣሻሓት ዝቐዘፈ ዉግእ ድሕሪ ምክያደን፡ ብ12 ታሕሳስ 2000 ዉዕል ሰላም ኣብ ኣልጀርስ ከምዝተፈራረማ ይዝከር።

ዋላኳ ኢትዮጵያ ብመትከል ንውሳነ ናይ ብመሰረት እቲ ውዕል ሰላም ዝቖመ ዳናዪ ኮምሽን ዶብ ክልቲአን ሃገራት ከም ዝተቐበለቶ እንተገለጸት፡ ነቲ ዶብ ኣብ ባይታ ንምሕንጻጽ ግን ዝርርብ ክግበር ኣለዎ ዝብል መርገጺ'ያ ወሲዳ።

ኤርትራ ብወገና እቲ ውሳነ 'ቀያድን ናይ መወዳእታን' ስለዝኾነ ክልቲአን ሃገራት ከም ዘለዎ ክቕበልኦ ብምጥላብ፡ በዘይ ቅድመ ኩነት ዶባት ክልቲአን ሃገራት ክሕንጸጽ ከም ዘለዎእን ዝኾነ ዝርርብ ድሕሪኡ ጥራይ ክትገብር ድልውቲ ምኳና ትገልጽ።

እታ ከም መበገሲ እቲ ዶባዊ ኩናት ከም ዝኾነት ዝንገረላ ባድመ በቲ ኮምሽን ዶብ ናይ ኤርትራ ከም ዝኾነት እኳ እንተወሰነ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ኢትዮጵያም ምህላዋ ይፍለጥ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት