ኣብ ሞዛምቢክ ኩምሪ ጓሓፍ ብምፍራሱ 17 ሰባት ሞይቶም

ማፕቶ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ,

ሓለፍቲ፡ ዛጊድ ኣሰሮም ዘይተረኸቡ ግዳያት ክህልዉ ከምዝኽእሉ የተሓሳስቡ

ኣብ ርእሰ ከተማ ሞዛምቢክ፡ ማፕቶ ብዘጋጠመ ምግህማስ ኩምሪ ጓሓፍ 17 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ብዙሓት ድማ ንኣካላዊ መጉዳእቲ ተሳጢሖም።

15 ሜትሮ ንውሓት ከምዝነበሮ ዝግለጸሉ ዘሎ እዚ ኩምሪ ጓሓፍ ቀንዲ መንቀሊ ምፍራሱ፡ ትማሊ ዝወቕዐ ሓያል ዝናብ ክኸውን ከምዝኽእል ተሓቢሩ።

እቲ እንዳ ጓሓፍ ኣብቲ ከባቢ ናይ ጉልበት ስራሕ ሸቒሎም ናይ ዝናበሩ ጽጉማት ሰባት መንበሪ ከምዝነበረ እውን መሰኻኽር ዓይኒ ገሊጾም።

ብሰንኪ እቲ ምግህማስ 5 ገዛውቲ ዓንየን። ሰራሕተኛታት ምድሕን ህይወት ድማ ኣብ ኣለሻ ካልኦት ግዳያት እቲ ሓደጋ ተጸሚዶም ኣለዉ።

ወሃቢ ቃል ኣገልግሎት እዋን ሓደጋ ሊዮኒዴ ፐለመቤ፡ ቁጽሪ ግዳያት እቲ ሓደጋ ካብዚ ንላዕሊ ክዛይድ ከምዝኽእል ኣተሓሳሲቡ።

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ,

ኣባላት መድሕን ኣብ ኣለሻ ግዳያት

"ካብ ሓለፍቲ እቲ ከባቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ ቁጽሪ ነበርቲ ናይተን ኣብቲ እንዳ ጉሓፍ ዝተደኮና ገዛውቲ ካብቶም ዝሞቱ ሰባት ንላዕሊ ከምዝኾነ'ዩ ዘርኢ" ኢሉ።

እቲ ዝፈረሰ እንዳ ጓሓፍ ዝርከበሉ ሁለኔ ዝተባህለ ቦታ ኣዝዩ ዝተጎሳቖለ ክፋል ማፕቶ እዩ። ህጻዉንቲ እንከይተረፈ ሰኣን ዓቕሞም ኣብዚ ኣዝዩ ረሳሕ ቦታ መንበሪኦም ሰሪሖም ክነብሩ ይግደዱ።

እቲ እንዳ ጉሓፍ ፍልፍል መግቢ እቶም ጽጉማት ጥራይ እንተይኮነስ ዝተደርበየ ኣቑሑት ኣራርዮም መሊሶም ናብ ዕዳጋ ዝሸጥሉ ፍልፍል እቶቶም'ዩ።