ኣብ ጎንደር ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ቀፂሉ

ቤተ-መንግስቲ ሃፀይ ፋሲል

ካልኣይ መዓልቱ ኣብ ዝሓዘ ኣድማ ከምዝቐፀለ ነበርቲ ከተማ ጎንደር ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፖለቲከኛታት፣ ጋዜጠኛታትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም እዮም። ቀዳማይ ሚንስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ካብ ስልጣኖምን ሓላፍነቶምን ብፍቓዶም ክለቁ ሕቶ ከምዘቕረቡ ዕላዊ ኣብ ዝገበሩሉ ፅባሕ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ምእዋጁ ኣዘራራቢ ዛዕባ ኮይኑ'ሎ።

ኣብ መዛዘሚ ዝሓለፈ ሰሙን ብቤት ምኽሪ ሚንስትራት ኢትዮጵያ ኣቢሉ ዝተኣወጀ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ፡ ብመንግስታዊ መራኸቢ ሓፋሽ ዕላዊ ካብ ዝኸውን ጀሚሩ፡ ዝተፈላለዩ ስምዒታት ይግለፁ ዘለው እንትኾኑ፡ ኣብ ገለገለ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ተኻይዱ።

እቲ ኣዋጅ ካብ ዝእወጅ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ኣብ ከተማ ጎንደር ስራሕ ጠጠው ናይ ምባል ኣድማ ዝተልዓለ እንትኸውን፡ ትካላት ንግዲ ተዓፅዮም፤ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ሙሉእ ብሙሉእ ከምእተቛረፀ ነበርቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

መንግስታዊ ኣብያተ ዕዮ ግን ኣብ ኣገልግሎት ከምዝነበራ ሓቢሮም።

ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚዩኒኬሽን መንግስቲ ኣብ ፌስቡክ ገፁ ከምዘስፈሮ፡ ከንቲባ እታ ከተማ ኣይተ ተቀባ ተባባል ንጋዜጠኛ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፡ ኣብታ ከተማ ስራሕ ጠጠው ናይ ምባል ኣድማን ትካላት ንግዲ ኮኑ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ምቁራፅን ከምዘሎ ብምእማን፡ ኮይኑ ግን "ዘይሕጋዊ ስለዝኾነ ህዝቢ ከቃወሞ ይግባእ" ኢሎም።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ጎንደር "ግልፂ ብዝኾነ መገዲ መን ነቲ ኣድማ ከምዝፀውአ ኣይፍለጥን" ኢሎም።

እቶም ከንቲባ'ውን "ወናኒኡ ዘይተፈለጠ ኣድማ" ኢሎምዎ።

"ህዝቢ ንሕቶታቱ ብዝሰልጠነ መገዲ ብምቕራብ፡ ምስ ምምሕዳር ከተማ ተቐራሪቡ ክሰርሕ ይግባእ" ክብሉ ገሊፆም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝቐርቡ ሓሳባት ግን እቲ ኣዋጅ ህፁፅ ክሳብ ዘይተልዓለ ኣድማ ከምዝቕፅል የመልክቱ።

ሎሚ መዓልቲ'ውን ትካላት ንግዲ ዝተዓፀዉ እንትኾኑ፡ ኣገልግሎት መጓዓዝያ'ውን ከምዘየለ ነበርቲ ተዛሪቦም።

ትማሊ ኣገልግሎት ይህቡ ካብ ዝነበሩ መንግስታዊ ኣብያተ ዕዮ'ውን ገሊኦም ኣብዚ ዕለት ከምዝተዓፀዉ ወሲኾም ገሊፆም

ኣብ ሓደ ሓደ ከባብታት ከተማ ባህርዳር'ውን ታማሊ ንጉሆ ስራሕ ናይ ምቁራፅ ኣድማ ከምዝነበረን፡ ትካላት ንግዲ ከምዝተዓፀዉ ነበርቲ ገሊፆም።

ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ ደብረ ታቦር'ውን መጠነኛ ዝበሃል ኣድማ ከምዝነበረ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት