መንግስቲ ትግራይ ክሲ 80 ጥርጡራት ክቋረፅ ወሲኑ

ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ

ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ ትማሊ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ ሓፂር መግለፂ ካብቶም ዝተሓረዩ 83 ጥርጡራት እቶም 80 ክሶም ክቋረፅ እቶም ሰለስተ ግና ጉዳዮም ምስ ምጥፋእ ህይወት ስለዝተኣሳሰር ክፀንሑ ከምዝተወሰነ ተዛሪቦም።

ቅድሚ ሎሚ ብምኽንያት ፖለቲካዊ እምነቶም ዝተኣሰሩ ኣባላት ዓረናን ካልኦትን ምሕረት ተገይሩሎም ዶ ወይከዓ ክሶም ዶ ተሰሪዙ ንዝብል ሕቶ ኣይተ ኣማኑኤል በቶም ዝተነፀሩ ረቛሒታት ዝሕቈፉ ጥራሕ እዮም ተፈቲሖም ዝብል ሓፈሻዊ መልሲ ሂቦም።

ንኣብነት ክሲ ኣቦ ወንበር ዓረና ትግራይ ኣይተ ኣብርሃ ደስታ ተቛሪፁ ዶ ንዝብል ሕቶ ሕዚ እውን መንግስቲ ኣብተን ረቛሒታት እዩ ዝምስረት ጌጋ እዩ ዝብል ዝኾነ ይዀን ኣካል ጥርዓን ከቕርብ ይኽእል እዩ እንትብሉ መሊሶም።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ውድብ ዓረና ትግራይ ብወገኖም ቅድሚ ሎሚ ብፖለቲካዊ መርገፂኦም ዝተኣሰሩ ኣባላትና ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣይተፈትሑን ብምባል ስም ዝርዝር እቶም ሰባት እማኝ ኣቕሪቦም።

ኣይተ ፍስሃ ተኽለሃይማኖት፣ኣይተ ገብረመድህን ተኽለኣብ፣መምህር ገብረየሱስ ገብረእግዚኣብሔር፣ኣይተ ኣልጋነህ ወልደጀወርስግስ፣ኣይተ ገብረእግዚኣብሔር ታደሰን ኣይተ ነብያት ለገሰን ዝበሃሉ ኣባልት ዓረና ተኣሲሮም ኣለዉ፤ክሳብ ሕዚ ይቕሬታ ኣይተገበረሎምን ክሶም እውን ኣይተሰረዘን ኢሎም ኣይተ ዓንዶም።

ኣይተ ኣብርሃ ደስታ ብወገኖም ምስኦም ተኣሲሮም ዝነበሩ ኩሎም እንትፍትሑ ንሶም ምኽንያቱ ብግልፂ እንተይተነገሮም ክሶም ዛጊድ ከምዘይተቛረፀ ንቢቢሲ ገሊፆም።

ነዚ መንግስቲ ወሲዱዎ ዘሎ ስጉምቲ ብዓይኒ ሰብ ሞያ ሕጊ ከመይ ይግምገም ንዝብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ክፍሊ ትምህርቲ ሕጊ ሓጋዚ ፕሮፌሰር ገብረመስቀል ሃይለ ርእይቶ ሂቦም።

"ዋላ እኳ ደረቕ ገበን ዘይፈፀመ ዝብል ከም ረቛሒ እንተተወሰደ ብተግባር ግና ደረቕ ገበን ዝፈፀሙ ግን ድማ ክሶም ዝተሰረዘ ኣለዉ። ንኣብነት ኣብ ጎንደር ናዕቢ ዘለዓዓለን ክሳብ ፖላይስ ከምዝቐተለን ምዃኑ ዝዝረበሉ ውልቀሰብ ኣብ ዝርዝር እቶም ዝፍትሑ ምህላዉ ይውረ።

ስለ'ዚ ደረቕ ገበን ዝፈፀሙ ኣይፍትሑን ዝብል ዝተሓለፈ ገይረ እየ ዝወስዶ፤ ምኽንያቱ ዝተፈትሑ ስለዘለዉ" ኢሎም።

ዋላ እኳ ኣይተ ኣማኑኤል እቲ መንግስቲ ዝተጠቐመሉ ረቛሒ ሃገራውን ኣብ ኩሎም ክልላትን ዝሰርሕ እዩ እንተበሉ ብዙሓት ሰባት ግና ከምቶም ብብርኪ ፌደራልን ኣብ ካልኦት ክልላትን ዝተፈትሑ ሰባት ኣብ ትግራይ ተፈፃሚ ኣይኰነን ብምባል ይነቕፉ።