ድሕሪ መጥቃዕቲ ቦኮ ሓራም ጠፊኤን ዝነበራ ናይጀርያውያን ተመሃሮ ተረኺበን

ናይጀርያውያን ኣዋልድ ተምሃሮ Image copyright Yobe State government
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰበ-ስልጣን ናይጀርያ ገለ ካብ ተምሃሮ ተጨውየን ምፅንሐን ይሕብሩ

ድሕሪ'ቲ ናይ ዳብቺ መጥቃዕቲ፡ ተመሃሮን መማህራንን ናብቲ ኣብቀረብኦም ዝነበረ ዱር ድሕሪ ምህዳሞም ኣስታት 100 ዝኾና ቆልዑ ከምዝጠፍኣ ተገሊጹ።

ገለ ወለዲ እተን ኣዋልድ ኣብ ናይ ጽዕነት መካይን ተጻዒነን ክውሰዳ ከለዋ ከምዝረኣዩ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እዚ ናይ ሕጂ መጥቃዕቲ ድሕሪ'ቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ከተማ ቺቦክ ብኣባላት ቦኮ ሓራም ዝተጨውያ 270 ኣዋልድ ኢዩ ተፈጺሙ። ዝሓለፈ መስከረም፡ ካብተን ተጨውየን ዝነበራ 100 ዝኾና ኣዋልድ ቺቦክ ምስ ወለደን ክጽንበራ ከለዋ፡ ልዕሊ 100 ዝኾና ድማ ስጋብ ሕጂ ኣብ ኢድ ኣሸበርቲ ኣባላት ቦኮ ሓራም ይርከባ።

ምምሕዳር ግዝኣት ዮቤ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቁጽረን ብልክዕ ዘይፍለጥ ኣዋልድ ካብ ኢድ እቶም "ጨውዮመን ዝነበሩ ኣሸበርቲ" ከምዝድሓናን፡ ምስ ኣባላት እቶም ሰራዊት ከምዘለዋን ድማ ገሊጹ።

ሮይተርስ ናይ ዜና ማዕከን ንገለ ወለድን ሰበስልጣን መንግስትን ጠቒሱ ኣብዘመሓላለፎ ዜና፡ 76 ኣዋልድ ተማሃሮ ካብቶም ጨወይተን ከምዝድሓናን 13 ግና ስጋብ ሕጂ ጠፊኤን ከምዘለዋ ገሊጹ።

ክልተ ኣዋልድ ግና ሞይተን ከምዝተረኽባን ሮይተርስ ገሊጹ፡፡ ኣማውትአን ግና ኣይገለጸን።

እቶም ጂሃዲስት [ኣኽረርቲ ኣስላም] እናተኮሱን ቦምባታት እናፈንጀሩን ናብታ ከተማ ብምእታዎም ድማ ተመሃሮን መማህራንን ናብቲ ኣብቀረብኦም ዝርከብ ዱር ክሃድሙ ቀሲብዎም።

ተቐማጦ እታ ከተማ ከምዝበልዎ፡ ድሕሪ'ቲ መጥቃዕቲ ኣባላት ጸጥታ ናይጀርያ ብወተሃደራዊ ነፈርቲ ተሰንዮም ነቲ መጥቃዕቲ ኣፍሺሎሞ።

ጥቓ'ታ ቤት ትምህርቲ ዝነብሩ ዜጋታት እተን ካብቲ መጥቃዕቲ ዝሃደማ ተመሃሮ ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ቁሸታት ተሓቢኤን ተረኺበን፡ ገለ ስጋብ 30 ኪሎሜትር ዝኣክል ርሒቀን ተረኺበን።

ካብተን 926 ተመሃሮ እታ ቤት ትምህርቲ፡ 815 ናብ ቤት ትምህርተን ከምዝተመልሳ ፖሊስ ዮቤ ገሊጹ።

ኣባላት ቦኮ ሓራም ዳርጋ ንሸሞንተ ዓመት ዝኸውን ኣብ ሰሜናዊ ናይጀርያ እስላማዊ ግዝኣት ንምምስራት ክቃለስ ዝጸንሐ ውድብ ኢዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ