ሓካይም ህንዲ ኣብ ዓለም እቲ 'ዝዓበየ ናይ ሓንጎል ጥረ' ኣልዮም

ናይ ምስሊ መግለጺ እቲ መጥባሕቲ 7 ሰዓታት ከም ዝወሰደ ሓካይም ገሊጾም

ህንዳውያን ሓካይም ካብ ርእሲ ሓደ ወዲ 31 ዓመት፡ 1.8 ኪሎግራም ዝምዘን ብመጥባሕቲ ዝኣለይዎ ጥረ፡ እቲ ዝኣበየ ኣብ ዓለም'ዩ ይብሉ።

እቲ 7 ሰዓታት ዝወሰደ መጥባሕቲ፡ ኣብ ሙምባይ ኣብ እትርከብ ናየር ዝተባህለት ሆስፒታል'ዩ ተኻዪዱ።

ዋላ'ኳ እቲ መጥባሕቲ ብዕለት 14 ለካቲት እንተተኻየደ፡ ኣወንታዊ ዉጽኢት ከምዝህልዎ ክሳብ ዘረጋገጽ፡ እቶም ሓኻይም ክሳብ ሕጂ ንህዝቢ ዘይምንጋር ኢዮም መሪጾም ጸኒሖም።

"እቲ ሐደገኛ መድርኽ ሰጊሩዎ'ዩ። ንኽሐዊ ናይ ግዜ ሕቶ ጥራሕ'ዩ ሕጂ፡" ይብል ሓላፊ መጥባሕቲ ኣእምሮ፡ ዶክተር ትሪሙርቲ ናድካርኒ።

ኣብ ሰሜናዊ ክፍለ-ሃገር ኡተር ፕራዴሽ በዓል ዱካን ዝኾነ ሳንትላል ፓል፡ መጥባሕቲ ክሳብ ዝግበረሉ፡ በቲ ጥረ ንሰለስተ ዓመት ምሉእ'ዩ ክሳቐይ ጸኒሑ ኔይሩ።

ብሰንኪ'ቲ ጥረ ኣዒንቱ ከምዝዓወረ ዝሓበሩ ሓካይም፡ ከም ዉጽኢት ናይ'ቲ መጥባሕቲ፡ ዳግማይ ንኽርኢይ ተስፋ ከምዘለዎም ሓቢሮም።

በዓልቲ ቤቱ ንሳንትላል ንጋዜጣ ሂንዱ ከምዝሓበረቶ፡ ኣብ ኡተር ፕራዴሽ ኣብ ዝርከባ ሰለስተ ዝተፈላለያ ሆስፒታላት ዘለዉ ሓካይም፡ እቲ ጥረ ብመጥባሕቲ ክእለ ከምዘይክእል ኢዮም ሓቢሮማ ኔይሮም።

ዶክተር ናድካርኒ፡ "ከምዚ ዓይነት መጥባሕታት ኣስጋኢ'ዩ" ድሕሪ ምባል፡ ሳንትላል ፓል፡ ኣብ እዋን መጥባሕቲን ብድሕሪኡን 11 ናይ ደም ኣሃዱታት ከምዝተዋህበን፡ ንሒደት መዓልታት ድሕሪ'ቲ መጥባሕቲ ብቬንቲሌተር የስተንፍስ ከምዝነበረ ኣብሪሁ።