መጥቃዕቲ እንትፍፀም ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ዕጡቕ ሓለዋ (ዋርድያ) ስጉምቲ ኣይወሰደን

ተምሃሮ ካብቲ መጥቃዕቲ ንምትራፍ በጉጅለታት እናተመቐሉ ካብቲ ቤት ትምህርቲ ወፂኦም Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ተምሃሮ ካብቲ መጥቃዕቲ ንምትራፍ በጉጅለታት እናተመቐሉ ካብቲ ቤት ትምህርቲ ወፂኦም

ኣብ ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ መጥቃዕቲ ዝኸፈተ ዕጡቕ 17 ሰባት እንትቐትል ነቲ ቤት ትምህርቲ ክሕልው ዝተመደበ ዕጡቕ ሰራሕተኛ ሓለዋ (ዋርድያ) ስጉምቲ ክወስድ ከምዘይፈተነ ተገሊፁ።

ካብ ስርሑ ዝተኣገደ ስኮት ፓተርሰን ብፍቓዱ ካብ ሓላፍነቱ ከምዝለቐቐ ኣዛዚ ፖሊስ ስኮት እስራኤል ተዛሪቡ።

ብተግባር እቲ ሰራሕተኛ ሓለዋ ከምዝሓዘነ ዝገለፀ ስኮት "ናብ ውሽጢ ክኣቱ'ውን ኣይፈተነን" ክብል ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ንመምህራን ምዕጣቕ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ንዝፍፀሙ መጥቃዕቲታት ክከላኸል ከምዝኽእል ምዝራቦም ዝዝከር'ዩ።

እቲ ዕጡቕ ዋርድያ እንታይ ይገብር ነይሩ?

ኣዛዚ ፖሊስ እስራኤል ከምዝብሎ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ መጥቃዕቲ እንትፍፀም ፒተርሰን ምስ ወተሃደራዊ ክዳኑን ዕጥቑን ኣብ ውሽጢ'ቲ ቀፅሪ ነይሩ'ዩ።

ብቪድዮ ዝተደገፈ መረዳእታ ከምዘረጋግፆ፡ ካብታ ቀዳመይቲ ተኹሲ ንደሓር ኣስታት 90 ደቓይቕ ደንጉዩ እቲ መጥቃዕቲ እንትቕፅል፡ እቲ ዋርድያ ግን ንኣርባዕተ ደቓይቕ ኣብ ደገ'ዩ ነይሩ።

እቲ መጥቃዕቲ ሽድሽተ ደቓይቕ ምፅንሑ ኣዛዚ ፖሊስ እስራኤል ተዛሪቡ።

ፒተርሰን እንታይ ክገብር ነይርዎ? ንዝብል ሕቶ "ኣትዩ፡ ነቲ ቐታሊ ረኺቡ ክቐትሎ ነይርዎ" ክብል መልሲ ሂቡ።

ፈፃሚ መጥቃዕቲ ናብ ዝነበረሉ ቦታ ንምንታይ ክኸይድ ከምዘይከኣለ ንዝተሓተቶ ሕቶ'ውን እኹል መብርሂ ክህብ ከምዘይከኣለ ኣዘኻኺሩ።

ዋርድያ ስኮት ፒተርሰን ነቲ ዝነበረ ኩነታት ኣመልኪቱ ዕላዊ መብርሂ ክህብ'ዩ።

ንምታይ ኣብኡ ነይሩ?

መንግስቲ ኣሜሪካ ከምዝብሎ ንኣብያተ ትምህርቲ ዝምደቡ ሓለዋ፡ ኣባላት ፖሊስ እዮም። ሓላፍነቶም ድማ ድሕንነት ምውሓስን ምክልኻል ገበናትን'ዩ።

በዚ መስርሕ ዝተመደቡ ካብ 14,000 ክሳብ 20,000 ኣባላት ከምዘለው ይግለፅ።

ፒተርሰን'ውን ካብ 2009 ጀሚሩ ኣብቲ ቦታ ተመዲቡ ክሰርሕ ከምዝፀንሐ ፀብፃብ ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ሚድያታት የመልክት።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ