ግምት ውፅኢታት ፕሪምየር ሊግን ካራባኦ ካፕን ካብ ማርክ ላውረንሰን

ማን ዩናይትድ - ቸልሲ Image copyright BBC Sport

ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ኤፍ ኤ ካፕ ብዊጋን ስዕርት ገጢምዋ'ዩ። ኣብዚ ሰሙን ምስ ኣርሰናል ኣብ እትገብርኦ ግጥም ዋንጫ መን ዓተረ ክትዕወት'ዶ ትኸውን?

ተንታኒ ስፖርት ማርክ ላውረንሰን ግምቱ ኣቕሚጡ'ሎ።

ቀዳም

ሌይስተር - ስቶክ

Image copyright BBC Sport

ስቶክ ኣብዚ ዓመት'ዚ ኣብ ከቢድ ፈተና ትርከብ። ካብ ሜድኣ ወፃኢ ካብ ዝገበረቶም 13 ፀዋታታት ሓደ ዓወት ሰለስት ማዕረ ጥራሕ ኣመዝጊባ።

ሪያድ ማህሬዝ ናብ ፀዋታ ተመሊሱ'ሎ፤ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን'ውን ጋንትኡ ንሸፊልድ ዩናይትድ ስዒራ ናብ ርብዒ ፍፃመ ኤፍ ኤ ካፕ ክትበፅሕ ሓጊዙ። ንቐዳም'ውን ምስ ጋንትኡ ኮይኑ ካልእ ዓወት ክረክብ ትፅቢት ኣለኒ።

ግምት ላውሮ፡ 2-0

በርንማውዝ - ኒውካስል

Image copyright BBC Sport

ኒውካስል ገለ ዝነኣዱ ውፅኢታት'ኳ እንተመዝገበት ክትቕፅለሉ ግን ኣይከኣለትን።

ኒውካስል ድማ ፅቡቕ ዝበሃል ዓወት ኣብ ልዕሊ ማንቸስተር ረኺባ ነይራ።

ግምት ላውሮ፡ 1-1

ብራይተን - ስዋንዚ

Image copyright BBC Sport

ኣብ ተቐራራቢ ነጥብ ደረጃን ይርከባ።

ብራይተን ዓወታት እናረኸበት ኣብ ዝሓሸ ጉዕዞ ትርከብ። ሕዚ'ውን በዚ ምቕፅል ጥራሕ'ዩ ዘድለያ።

ግምት ላውሮ፡ 1-1

በርንለይ -ሳውዝኣምፕተን

Image copyright BBC Sport

ምስ ሊቨርፑል ኣብ ዝነበራ ግጥም ስዕረት ዘጋጠሞም ሳውዝኣምፕተን፡ ተፃወትታ ንዊጋን ኣብ ኤፍ ኤ ካፕ ክስዕሩ ርእሰ ምትእምማን ክህልዎም'ዩ።

ብኻልእ ገፅ በርንለይ ካብ እትስዕር ነዊሕ ግዜ ኮይኑ'ሎ።

ግምት ላውሮ፡ 2-1

ሊቨርፑል - ዌስትሃም

Image copyright BBC Sport

ሊቨርፑል ኣብዚ ዓመት'ዚ ኣብ ሜድኣ ስዕረት ኣየጋጠማን።

ተፃወትታ ኣብ ሜድኦም ንዝመፀት ጋንታ ከመይ ከምዘጥቅዑ ድማ ፍሉጥ'ዩ።

ግምት ላውሮ፡ 3-0

ዌስትብሮም - ሃደርስፊልድ

Image copyright BBC Sport

ሃደርስፊልድ ምስ በርንማውዝ ኣብ ዝነበራ ፀዋታ ዓብዪ ዓወት ከምዝረኸበት ይዝከር። ኮይኑ ግን ካብ ሜድኣ ወፃኢ ኣብ እትገብሮም ፀዋታታት ፅቡቕ ስም የብላን።

ኣብዚ ፀዋታ ዌስብሮም ክትዕወት'ያ።

ግምት ላውሮ፡ 2-0

ዋትፎርድ - ኤቨርተን

Image copyright BBC Sport

ዋትፎርድ ካብተን ዘሕስባኒ ጋንታታት ሓንቲ እያ።

ኤቨርተን'ውን ኣብ ፅቡቕ መገዲ ኣይነበረትን፤ ኮይኑ ግን ንክርስታል ፓላስ ምስዓራ ናብ ፅቡቕ ኣንፈት ትምለስ ምህላዋ የርእይ።

ኣብዚ ፀዋታ እንተተሳዒራ ግን ብጣዕሚ ክገርመኒ'ዩ።

ግምት ላውሮ፡ 1-1

ሰንበት

ክሪስታል ፓላስ - ቶተንሃም

Image copyright BBC Sport

ክሪስታል ፓላስ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ግጥማት ክልተ ነጥብታት ጥራሕ ምርካቦም ይዝከር። በዚ ምኽንያት'ውን ናብ ሓደጋ ምውራድ እናተፀገዐት ትርከብ።

ቶተንሃም ድማ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ኮነ ቻምፒዮንስ ሊግ ምስተን ዓበይቲ ዝባሃላ ጋንታታት ዝነኣድ ብቕዓት ተርእይ ዘላ ጋንታ እያ። በዚ እንተቐፂላ ንክርስታል ፓላስ'ውን ፈተና ኮይና ክትቐርብ'ያ።

ግምት ላውሮ፡ 0-2

ማን ዩናይትድ - ቸልሲ

Image copyright BBC Sport

ማንቸስተር ናይ ምጥቃዕ ብህርያት የብሎምን፤ ኩዕሶ'ውን ብቕልጡፍ ናብ ቅድሚት ኣይወስዱን።

ቸልሲ ግን ፍሉይ ብቕዓት ዘለዎም ተፃወትቲ ኣለውዋ። ብሶሉስ ምስ ባርሴሎና ኣብ ዝነበራ ፀዋታ ዝነኣድ ምንቅስቓስ ነይርዎም። ይኹን ደኣ'ምበር ሕዚ ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ኣለው ምባል ከቢድ'ዩ።

ልክዕ ከምቲ ምስ ባርሳ ዝገበርዎ ፀዋታ በብሰሙኑ ክፃወቱ ኢለ ኣይሓስብን። ኣብዚ ዓመት ኣብ ልዕሊ ማንቸስተር ረኺቦምዎ ዝነበሩ ዓወት ከምዝደግምዎ'ውን ኣይግምትን።

ግምት ላውሮ፡ 2-0

ካራባኦ ካፕ

ኣርሰናል - ማን ሲቲ

Image copyright BBC Sport

እዚ ፀዋታ ንማንቸስተር ሲቲ ወሳናይ ዝኾነሉ ምኽንያት ሰለስተ ዝተፈላለዩ ዋንጫታት ክወስዱ ስለዝደልዩ ይመስለኒ።

ክሳብ ሕዚ'ውን ፅቡቕ እናኸዱ እዮም።

ኣብ ሜዳ ወምብለይ'ከ ክዕወቱ'ዶ ይኾኑ? እወ፡ ኣርሰናል ካብ ዓወት ዘተኣጓጉልዎም ኣይመስለንን።

ግምት ላውሮ፡ 0-2