ቅንያት ኣፍሪካን ኣፍሪካውያንን ብስእሊ
A selection of the best photos from across Africa and of Africans elsewhere in the world this week.

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሓርማዝ እንትነፍር ወይ ድማ እንተዘልል ምርኣይ ልሙድ ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ግን ኣብ ኬንያ እዚ ዘይተለመደ ምርኢት ተራእዩ'ሎ።
ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ኣቢጃን-ኣይቮሪኮስት ኣብ ዝተዳለወ ፌስቲቫል ሰርከስ ሰባት እናነፈሩ ዘቕረብዎ ምርኢት
ምንጪ ስእሊ, AFP
ብድሕሪ ሞት መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ምንቅስቓስ ንዴሞክራሲያዊ ለውጢ (Movement for Democratic Change - MDC) ሞርጋን ሻንጋራይ ሓዘኖም ዝገለፁ ዜጋታት ዚምባብዌ
ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ፡ ኣብታ ኣብ ዓለምና ቆልዓ ንምውላድ ዘይትምቹ ሃገር ክብል ኣብዚ ሰሙን'ዚ ዩኒሴፍ ዝገለፃ ደቡብ ሱዳን ዝተወለደ ህፃን።
ምንጪ ስእሊ, AFP
ሃርበኛታት ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝተፈፀመ ጅምላዊ ቅትለት እንትዝክሩ፡ ክልተ ደቀኣንስትዮ ሃርበኛታት ዝተስኣልኦ ስእሊ። ኣብ 19 ለካቲት 1937 ብውሑድ 20,000 ኢትዮጵያውያን ብሰራዊት ወራሪ ጥልያን ተቐቲሎም።
ምንጪ ስእሊ, AFP
ሊብያውያን'ውን ኣብዚ ሰሙን ሓደ ዓብዪ መዓልቲ ዘኪሮም ነይሮም። 17 ለካቲት ንሙዓመር ጋዳፊ ካብ ስልጣን ዝዓለወ ማዕበላዊ ምንቅስቓስ ሻብዓይ ዓመት መሊእዎ'ሎ።
ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ካባቢ ዶብ ግብፂ ዝተስኣለ ስእሊ እንትኸውን፡ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደን ሲሲ፡ ንመፃኢ ኣብ ዝካየድ መረፃ ንኽዕወት ኣብ ዘገብርዎ ወፍሪ ምልዕዓል ዝሰቐልዎ 'ባነር'
ምንጪ ስእሊ, AFP
ምርጫ ዘይተኻደላ ደቡብ ኣፍሪካ ሓድሽ ፕረዚደንት ናብ ስልጣን ከምዘደየበት ይዝከር። ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎሳ ህዝባዊ መደረ ኣብ ዘስምዑ እዋን እዛ ወተሃደር እንታይ ዝተፈለየ ነገር ረኺባ ትኸውን ክሳብ ክንደዚ ትጥምት ዘላ?
Images courtesy of AFP and EPA