ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎሳ ኣብ ካቢኔኦም ምቅያያር ስልጣን ገይሮም

ራማፎሳ ንፕረዚደንት ጃኮብ ዙማ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት ስልጣኖም ተረኪቦምዎም Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ራማፎሳ ንፕረዚደንት ጃኮብ ዙማ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት ስልጣኖም ተረኪቦምዎም

ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎሳ ሓድሽ ካቢኔኦም ዕላዊ ገይሮም።

ብፕረዚደንት ጃኮብ ዙማ ካብ ስልጣኖም ተኣልዮም ንዝነበሩ ህላንህላ ኔኔ ናብ ዝነበርዎ ሚንስርነት ፋይናንስ መሊሶም ሸይሞም።

ብብልሽውና ዝኽሰሱ ጃኮብ ዙማ ብመሰረት ውሳነ ሰልፎም ኣብዚ ወርሒ ካብ ስልጣኖም ምውራዶም ይዝከር።

ንዕኦም ተኪኦም ናብ ስልጣን ዝደየቡ ራማፎሳ ድማ ኣብታ ሃገር ለውጢ ንምምፃእን ብልሽውና ንምቅላስን ቃል ኣትዮም።

ፕረዚደንት ራማፎሳ ነቲ ኣብ ሹመት ዘካየድዎ ለውጢ ኣመልኪቶም እንትዛረቡ "ነዚ ለውጢ ከካይድ ከለኹ፡ ኣብ ምሕዳስ፣ ቁጠባዊ ምምሕያሽን ስሉጥ ስግግርን ዝህሉ ድልየት ቀፃልነትን ምርግጋዕን ንኽህልው ኣብ ግምት ብምእታው'ዩ" ኢሎም።

ኣብ ካልኦት ሚንሰትራት'ውን በቶም ቅድም ክብል ዝነበሩ ምትኽኻእ ክገብሩ ከለው፤ ምስ ፕረዚደንት ነበር ዙማ ርክብ ዝነበሮም ድማ ክወርዱ ተገይሮም።

ምኽትል ሰልፊ ብሄራዊ ኮንግረስ ኣፍሪካ (ANC) ዳቪድ ማቡዛ ምኽትል ፕረዚደንት ኮይኖም ተሸይሞም።

በዓልቲ ገዝኦም ንጃኮብ ዙማ ዝነበራ ዲላሚኒ ዙማ'ውን ብሚንስትርነት መዝነት ረኺበን ኣለዋ።

ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎሳ ንህዝቢ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣንፃር ብልሽውና ብትሪ ከምዝቃለሱ፣ ቁጠባ ሃገሮም ከምዘዕብዩን ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥሩን ተመፃቢዖም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ