ደሃይ:22 ''ፍቕሪ ስነ- ጥበብ ካብ ሕጻንነት ኣብ ደመይ ስለዝሰረጸ...''

ነጻነት ተስፋሚካኤል

ስመይ ናጽነት ተስፋሚካእል እበሃል፤ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊደ ኣብ ርእሰ ከተማ ኤርትራ: ኣሰመራ ዓብየ። ፍቕሪ ስነ- ጥበብ ካብ ሕጻንነት ኣብ ደመይ ስለዝሰረጸ፤ ዝረኣኽዎ ምቑላብን ምስናድን ድማ ንኸባቢየይን ገዛውተይን ክዝክር ካብ ዝገብሩኒ ነገራት ሓደ'ዩ።

ኣብ 1997 ልበይ፡ ሃገረይን ህዝበይን ሓዲገ ነዊሕ ክጓዓዝ ቀሲባትኒ ናብ ሆላንድ መጺእ፤ ልበይ ዝብላ እምብኣር ፍቕሪ'ያ። ኣፍቂረ፤ ተመርዕየ፤ ሓዳር ጌረ ክልተ ቆልዑት ወሊደ ኣብ ሃውዘን ትበሃል ቦታ ይቕመጥ ኣለኹ።

ኣስመራ ምስ ሆላንድን ከነጻጽራ እንተኾይነ፡ ብዕብየት ሓደ ስልሳዊት ናይ ኤርትራ ኮይና ህዝባ ግን 17 ሚልዮን ይበጽሕ፡ ንዓይ ግን እዝን ትሕተ-ቕርጽን ኣየገርመንን'ዩ ምኽንያቱ ንዓይ ከም ሰብ ዘሐጉሰኒ እቲ ባዕዳውያን ዝቐንኡሉ ልዕሊ ኩሉ ክቡር ባህልን ልምድን ህዝብና'ዩ።

ከም ኣደ ቆልዑት መጠን ድማ እቲ ኻልኣይ ንሆላንድ ፍልይቲ ዝገብራ ነገር ኣተዐዓባብያ ቖልዑ'ዩ። ኣብ ዓድና፡ ቆልዓ ቅንዕ ኢሉ ዘይርኢ ምስዘኸዉን ከም ምኽባር'ዩ ዝቑጸር። ኣብዚ ግን፡ቆልዓ ዓይኒ ንዓይኒ እናራኣየ ምስ ዘይዛረብ ዝሓብኦ ንገር ከምዘለዎን፤ ርእሰ ተኣማንነት ኣጥፊኡ ንድሕሪት ክምለስ ከም ዝገብሮን'የ ተማሂረ።ስለዝኾነ፡ ካብ ገዛእ ተሞክሮይ ኣብ ደቀይ ርእየዮ'የ ምኽንያቱ ካባይ ንላዕሊ ርእሰ-ተኣማንነት ስለዘለዎም ሕጉስቲ'የ።

እዚ ኣባና ክቕየር ምደለኹዎ።

ኣብ'ዚ ሃገር ዝፈትዎ መግቢ፡ ዝተጠብሰ ድንች (ችፕስ) ብኣኣቶም ድማ ፐተት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ምስ ማይነዝ'ዩ። እንተኾነ ግና የርጉድ'ዩ ስለዝበሉዎ ኣብዚ ሕጂ እዋን ክንኪ ይጽዕር ኣለኹ።

ካብ ዓደይ ኣዝየ ዝናፍቖ ነገር ፈለማ ወለዲ፡ ካልኣይ ጸሓይ፥ እቲ መዘና ዘይርከቦ ፡ ኣብ ሓዘን፡ ሓጎስ፡ ሃብቲ፡ ድኽነትን ሓደ ዝገብረናን ዘተሓቛቑፈናን ማሕበራዊ ናብራና ከምኡ'ውን እቲ ኣዝየ ዘኽብሮ ስራሕ ጋዜጠኝነትን ስነ ጥበብን'ዩ።

ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን ንደቀይ እናዕበኹ፡ ኣብ ሓንቲ ናይ ከባቢና ጋዜጣ ጽሑፋት የቕርብ፤ ምስ ገበርቲ ሰናይ ብወለኝትነት እተሓጋገዝ። ናብ ስነጥበብ ተመሊሰ ተኸታታሊት ፊልም ኣብ ምስራሕ ኣለኹ'ሞ ይቕናዕኪ በሉኒ።

ኩል ግዜ ብመስኮት ገዛይ ኣተኲረ ክርኦ ዝደሊ ነገር ጽምዋ (ጸጥታ)'ዩ። ንሱ ኩሉ ስለዝኾነ ንዓይ። ምኽንያቱ ኣብ ጸጥታይ ትማልን ሎምን፡ ዉድቀትን ዕብየትን፡ ብርሃንን ጸልማትን ዘገናዝበሉን ናይ ብሕተይ ምዕራፍ ስለዝኾነ'ዩ።

ኣብቲ እዋን እቲ ከኣ ንናጽነት ተመሊሰ ክሪኣን ክግምግማን ዕድል ይረክብ፤ ዋላ'ኳ ኣብቲ ዝዋጋእ ቑሪ ኣዉሮጳ ኾይነ።

ምንጪ ስእሊ, Netsanet

ካብ ኩሉ ዝገርመንን ክቕይሮን ዝደሊ ነገር እንተሃልዩ ሆላንዳዉያን ቦርሳ ሙሉእ ህያብ ሒዞምልኻ ይመጹሞ፡ ነቲ ህያብ ምስ ሃቡኻ ነቲ ቦርሳ ግን ክትመልሰሎም ይሓቱኻ። እዚ ዘረድኣና ካብ ዕላምኦም ስድሪ'ኳ ትኹን ዝንብዕ ዘይብሉ ምዃኖም'ዩ። ስለዝኾነ ከምዚ ዓይነት ትልሚ ገይርና ኣብ ትልምና ጸኒዕና ክንሰርሕን ከምዚ ዓይነት ባህሊ ክነማዕብልን ምደለኹ።

ሃንደበት ተበጊሰ ክዓርፈሉ ዝደሊ፡ ኣብታ ዝዓበኹላ ፍቕሪ ህይወት ስድራ ዘማሙቐላ ዝፈረሰት ገዛይ ክኣቱ'የ ዝደሊ። ዝፈረሰ ክጽግን፡ መንደቕ ዘይኮነስ ቤተሰባዊ መቐረት።