ሰሜን ኮርያ ንናይ ሶርያ ናይ ኬሚካል ኣጽዋር መሰንዒ ዝውዕል ነገራት ክትህባ ጸኒሓ

ኣብ ምብራቓዊ ጉታ - ሶርኣ ብ ክሎሪን ጋዝ ዝተፈፀሙ መጥቃዕትታት ምህላዎም ይግለፅ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ምብራቓዊ ጉታ - ሶርኣ ብ ክሎሪን ጋዝ ዝተፈፀሙ መጥቃዕትታት ምህላዎም ይግለፅ

እቲ ዝሰደደቶ መሳሪሒታት ከም ኣሲድ [ኣቺዶ] ዝጻወር ተርኒኻትን ቫልቭታትን ሻምብቆታትን ከምዘጠቓልል እቲ ጸብጻብ ይሕብር። እቲ ተርኒኻት ነቲ ኬሚካልዊ ኣጽዋራት ዝፍብረኸሉ ትካላት መህነጺ ዝውዕል ኢዩ።

ዛጊት ዘይተዘርገሐ ናይ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ ከምዝሕብሮ ድማ ናይ ሰሜን ኮርያ ናይ ሚሳይል ክኢላታት ኣብ ናይ ሶርያ ናይ ኣጽዋር መሰንዒ ትካላት ከምዝተራእዩ ኒው ዮርክ ታይምስ ሓቢሩ።

እዚ ናይ ሕጂ ጠቐነ፡ ድሕሪ'ቲ ሰራዊት ሶርያ ናይ ክሎሪን ጋዝ ተጠቒሙ ዝብል ሓድሽ ጸብጻብ ምዝርግሑ ኢዩ ተጋሂዱ። እንተኾነ መንግስቲ ሶርያ ነቲ ጠቐነ ነጺግዎ።

ሰሜን ኮርያ ኣብዚ እዋን ብሰንኪ ኒዩክሌራዊ መደባታ ኣብ ትሕቲ ኣህጉራዊ ማዕቀብ ትርከብ።

ካብ መወዳእታ 2016 ስጋብ መጀመርታ 2017 ድማ ብመንገዲ ናይ ቻይና ንግዳዊ ትካል ሓሙሽተ ጽዕነት መራኽብ ናብ ሶርያ ከምዝሰደደት ዎል ስትሪት ጆርናል ሓቢሩ። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ገለ ዓመታት ዝተገብረ ሰደድ ክኸውን ከምዝኽእል ኣሚቱ።

መንግስቲ ሶርያ ድማ ነቲ ካብ ሰሜን ኮርያ ዝረኸቦ መሳርሒታት ድማ ብገለ ኩባንያታት ጌሩ ከምዝኸፈሎ እታ ጋዜጣ ሓቢራ።

ኣብ መስከረም 2017 ዝተዘርገሐ ናይ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፡ ሕቡራት ሃገራት "ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ኣብ ዝተወገዘ ኬሚካላት፡ ባሊስቲክ ሚሳይላትን ካልኦት ኣጽዋራትን ኣመልኪቱ ዝተዘርግሐ ጸብጻባት ይምርምሮ" ከምዘሎ ገሊጹ።

ክልተ ኣባላት ሕቡራት ሃገራት ዝኾና ሃገራት ናብ ሶርያ ዝኸዳ ዝነበራ መራኽብ ከምዝኸተራ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ። እቲ ኣብተን መራኽብ ዝተረኽበ ጽዕነት ድማ ካብቲ ቀንዲ ናይ ኣጽዋር ኩባንያ ሰሜን ኮርያ ዝተላእኸ ከምዝነበረን እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

እንተኾነ ኣፈኛ ሕቡራት ሃገራት ስቴፋኒ ዱዣሪክ እቲ ዝለሓኸወ ሓበሬታ ክዝርጋሕ ምዃኑን ዘይምዃኑን ኣይገለጸን። "እንተኾነ፡ ኣነ ክመዝመስለኒ ኩለን ኣባል ሃገራት በቲ ዝተደንገገ ማዕቀብ ክግዝኣ ሓልፍነት ከምዘለወን እየ መልእኽቲ ከምሓላልፍ ዝደሊ" ኢሉ ስቴፋን ምስ ኒው ዮርክ ታይምስ ኣብዝገበሮ ቃለመሕተት።

እንተኾነ፡ መንግስቲ ሶርያ ነቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ጉጅለ ከምዝሓበሮ፡ እቶም ኣብ ሶርያ ዘለው ደቂ ሰሜን ኮርያ ናይ ስፖርት ኣሰልጠንትን ኣትሌታትን ኢዮም ድማ ኢሉ።

ሶርያ ከምሃገር ነቲ ናይ ኬሚካል ኣጽዋር ውዕል ከምትሰማምዓሉ ፈሪማ ኢያ። ድሕሪ'ቲ ኣብ ጉታ [ሶርያ] ብሳሪን ኬሚካል ኣማኢት ሰባት ምቕታሎም ድማ መንግስቲ ሶርያ ነቲ ኣብ ኢዳ ዝነበረ ኬሚካልዊ ኣጽዋር ኣብ 2013 ክዓኑ ተሰማሚዓ ኢያ።

እንተኾነ፡ ሶርያ ብቐጻሊ ዝተወገደ ኬሚካል ኣጽዋር ብምጥቅማ ድማ ክትክሰስ ጸኒሓ ኢያ።

ሓደ ኬሚካልዊ ኣጽዋር ኣብመዓል ከይውዕል ዝከላኸል ወድብ ከምዝበሎ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ሶርያ ናይ ነርቭ ጋዝ ኣብ ኣወራጃ ኢድሊብ ከምዝተጠቕመትን ኣስታት 80 ሰባት ከምዝሞቱን ገሊጹ። ነዚ ናይ ኢድሊብ መጥቃዕቲ ድማ ናይ ሶርያ ሓሊ ኣየር ተሓታቲ ከምዝኾነ ናይ ሕቡራት ሃገራት መርንመርቲ ገሊጾም።

ኣብዚ ቀረባ ኣብ ሶርያ ናይ ክሎሪን ጋዝ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ይጥቀስ። ዝሓለፈ ሰንበት፡ እታ ኣብ ትሕቲ ተቓወምቲ እትርከብ ከተማ ጉታ፡ ጥቓ ርእሰ ከተማ ደማስቆ፡ ኣትርከብ ከተማ ናይ ጋዝ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ይንገር።

ክኢላታት ከምዝብልዎ፡ ሰሜን ኮርያ ንገንዘብ ክትብል ወተሃደራዊ ኣጽዋራትን ፍልጠትን ንብዙሓት ሃገራት - ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንሜን ኣፍሪቃን ላቲን ኣሜሪካን ክትሸይጥ ከምዝጸንሐት ይገልጹ።

ሶርያን ሰሜን ኮርያን ድማ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ወተሃደራዊ ዝምድና ኣለወን።

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ መንግስቱ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ሓድሽ ማዕቀብ ከዝኣወጀ ገሊጹ። እቲ ማዕቀብ ድማ ን50 ዝኾና መራኽብን ናይ መጓዝያ ኩባንያታትን ዘነጻጸረ ከምዝኾነ ገሊጹ።

ሰሜን ኮርያ ብሰንኪ'ቲ ናይ ኒዩክለር መደባታን ናይ ሚሳይል ፈተነታታን ድማ ኣብ ትሕቲ ኣህጉራውን ናይ ኣሜሪካን ማዕቀብ ትርከብ።

እንተኾነ እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝተደንገገ ማዕቅብ ከይገደሳ ድማ ፈተነታታ፡ እንተላይ ናይ ኒዩክለርን ናይ ባሊስቲክ ሚሳይላት - እቲ ኣሜሪካ ክበጽሕ ተኽእሎ ዘለዎ - ከተካይድ ጸኒሓ።

Image copyright Getty Images

መንግስቲ ኣሜሪካ ከምዝበሎ፡ እዚ ሓድሽ ማዕቀብ ንኹሉ ምንጪ ኣታዊታታን እንተላይ እቲ ንናይ ኒዩክለር መደባታት ዝሕግዝ ነዳዲ ትረኽበሉ መንገድታት ብምዕጻው ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ዝያዳ ጸቕጢ ዝፈጥረላን ማዕቀብ ኢዩ ኢሉ።