ሰልፊ ኤኤንሲ ካብ ፃዕዱ ብዘይካሕሳ ንዝምንጠል መሬት ደጊፉ

ጂሊየስ ማሌማ Image copyright Getty Images

ሰልፊ ደቡብ ኣፍሪካ ኤኤንሲ ብፀዓዱ ዝተትሓዘ መሬት ብዘይካሕሳ ምምላስ ኣመልኪቱ ሰልፊ ኢኮኖሚክ ፍሪደም ፋይተርስ ንዘቕረቦ ሓሳብ ከምዝድግፍ ኣፍሊጡ።

ብዛዕብኡ ኣብ ፓርላማ እታ ሃጋር ዝተዘተየ እንትኸውን፡ ነቲ ዘተ ዝመርሑ መራሒ ሰልፊ ኢኮኖሚክ ፍሪደም ፋይተር ጁልየስ ማሌማ "እዋን ዕርቂ ተዛዚሙ'ዩ። ሕዚ ግዜ ፍትሒ'ዩ። ናይ ፀዓዱ መሬት ተወሲዱ ንኽመቓቐል ክዳለው ኣለዎ" ኢሎም።

ንኣማሓዳሪ ባዕዳዊ መግዛእቲ ደቡብ ኣፍሪካ፣ መስራቲ ኬፕታውንን መተሓባበሪ ሰፈራ ፀዓዱን ንዝነበሩ ጃን ቫን ሪቢክን ብምጥቃስ ድማ "ደቂ ደቁ መሬትና ከምእንደልይ ክግንዘቡ እንተዘይኪኢሎም እቲ ጉዳይ ኣብኡ ከዝዘም'ዩ። እዚ ጉዳይ ልዕሊ ክብርና'ዩ" ኢሎም።

ሰልፊ ኤኤንሲ፡ ኣብቲ ናይ ፓርላማ ክርክር ነቲ ውሳነ ከምዝድግፍ ኣፍሊጡ።

ሚንስትር ማይን ፅርየትን ጉግሌ ክዊንቲም እቲ ውሳነ ሓሳብ ንኽፀድቕ ድምፆም ከምዝህቡ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ድማ "ሰልፊ ኤኤንሲ ነቲ መሬትብዘይገለ ካሕሳ ካብ ፃዕዱ ክውሰድ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ብሙሉእ ልቢ ይድግፍ" ኢሎም።

ካልእ ተቓዋሚ ሰልፊ እታ ሃገር ዴሞክራቲክ ኣሊያንስ ግን ብዘይገለ ካሕሳ መሬት ካብ ፀዓዱ ምውሳድ ፍታሕ ከምዘየምፅእ ኣጠንቂቑ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ብ2017 ዝተኻየደ ምዝገባ መሬት ከምዝሕብሮ፡ 72 ሚኢታዊት ናይ ሕርሻ መሬት ብፀዓዱ ዝተትሓዘ'ዩ።

ነቲ 15 ሚኢታዊት ድማ ሕዋስ ፀዓዱን ፀለምትን ዝኾኑ ዜጋታት ይውንንዎ። 5 ሚኢታዊት ብህንዳውያን ከምኡ ድማ 4 ሚኢታዊት ብፀለምቲ ደቡብ ኣፍሪካውያን ተታሒዙ ይርከብ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ