ኣፍጋኒስታን ንሓደ 'ጀርመናዊ ጣሊባን' ኣብ ሄልማንድ ትኣስር

ሓደ እሱር ምስ ኣባላት ሰራዊት ኣፍጋኒስታን

ምንጪ ስእሊ, Afghan National Army

መግለጺ ስእሊ,

ሰበስልጣን እቲ ከባቢ እቲ ጥርጡር ባዕሉ ጀርመናዊ ምዃኑ ከም ዝተዛረበ ይገልጹ

ንነዊሕ እዋን ከም ወትሃደራዊ ኣማኻሪ ጉጅለ ጣሊባን ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸነሐ ጀርመናዊ ዜጋ ብሓይሊታት ጸጥታ ኣፍጋኒስታን ኣብ ክፍሊ-ሃገር ሄልማንድ ተታሒዙ።

ኣብ ሓደ መስርሒ ቦምባታት ምዃኑ ዝግመት፡ ኣብ ገረሽክ ዝተባህለ ቦታ ብዝተገብረ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ሰራዊት ኣፍጋኒስታን'ዩ እቲ እሱር ምስ ሰለስተ ካልኦት ኣባላት ጉጅለ ጣሊባን ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም ተባሂሎም ዝጥርጠሩ ሰባት ተታሒዙ።

ዋላ'ኳ ብዛዕባ መንነቱ ንጹር ዝኾነ ሓበሬታ እንተዘይሃለወ፡ ሰበ-ስልጣን'ታ ሃገር ግን እቲ ኡሱር ብቛንቋ ጀርመን ከምዝዛረብን፡ ባዕሉ ጀርመናዊ ምዃኑ ከምዝገለጸን ይዛረቡ።

ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ምዕራባውያን ተቓለስቲ ኣብ ጎድኒ ተቓወምቲ ጉጅለ ኮይኖም ክዋግኡ ልሙድ ኣይኮነን። እቲ ዝዓበየ ክፋል ሄልማንድ ጌና ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ጣሊባን'ዩ ዝርከብ።

ሰበ-ስልጣን ኣፍጋኒስታን፡ እቲ ኡሱር ምስ ጉጅለ ጣሊባን ንሸሞንተ ዓመታት ኔይሩ ዝብል እምነት ኣለዎም። ሰራዊት ኣፍጋኒስታን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ "እቲ ጀርመናዊ ብዓብዱል ዋዱድ'ዩ ክፍለጥ ዝደሊ፡" ኢሎም። እቲ ሓቀኛ ናይ ጀርመን ሽሙ ግን ፍሉጥ ኣይኮነን።

ኣባል ሰራዊት ኣፍጋኒስታን ዝኾነ ሜጀር ዓበዱል ባህዱርዛይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "እቲ ኡሱር፡ ናብ'ቲ ኣብ ካንዳሃር ዝርከብ ሓለዋ ሰራዊት ኣሜሪካ ተመሓላሊፉ'ሎ፡" ኢሉ።

ኣብ ሓደ ስእሊ፡ ሓደ ኣብ ሳላሳታት ክሳብ ኣርበዓታት ክሊ ዕድመ ዝርከብ፡ ባህላዊ ክዳን ኣፍጋኒስታን ዝተኸድነ ብኽልተ ኣባላት ፍሉያት ሓይሊታት ተኸቢቡ'ዩ ዝርአ።

ኣፈኛ ክፍሊ-ሃገር ሄልማንድ ከምዝሓበሮ፡ "ሓደ ጀርመናዊ ምዃኑ ዝዛረብ፡ ቋንቋ'ውን ዝኽእል ምስ ሰለስተ ካልኦት ጥርጡራት ጣሊባን ሒዝና።"

ሓላፊ ፖሊስ ገረሽክ እስማዒል ኸፕለዋክ ብወገኑ፡ እቲ ምሩኽ ወትሃደራዊ ኣማኻሪ ኣዛዚ ፍልይቲ ጉጅለ ጣሊባን ኣብ ሄልማንድ፡ ሙላህ ናስር ዝነበረ'ዩ ክብል ገሊጹዎ።

ወጻእተኛታት ኣብ ከም በዓል ሶርያ ምስ ኢስላሚክ ስቴት ክጽምበሩ ልሙድ'ኳ እንተኾነ፡ ምስ ጣሊባን ግን ብዙሕ ኣይረኣይን'ዩ።

ሓያላት ሃገራት ሰራዊተን ብ2014 ካብ ኣፍጋኒስታን ካብ ዝስሕባ ንደሓር፡ ጉጅለ ጣሊባን፡ ኣብዚ እዋን ካብ ዝኾነ ይኹን ካልእ ግዜ ንላዕሊ ዝበዝሐ ቦታታት ተቖጻጺሩ ከምዘሎ፡ ቢቢሲ ዝሓለፈ ጥሪ ዝዘርገሖ መጽናዕቲ የብርህ።

ዳርጋ ፍርቂ'ቲ 15 ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ኣፍጋኒስታን ኣብ'ቲ ብጣሊባን ዝመሓደር ሰፈራት'ዮም ዝነብሩ።