ተጻዋታይ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ስቲቨን ፒይናር ካብ ኩዕሶ ዓለም ይሰናበት

ስቲቨን ፒይናር
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣጥቃዓይ ክለቭ ኤቨርተን ዝነበረ ፒይናር ካብ ኩዕሶ ዓለም ከም ዝሰናበት ኣፍሊጡ

ሓለቓ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር፡ ስቲቨን ፒይናር ኣብ መበል 35 ዕድሚኡ ካብ ጸወታ ዓለም ከምዝተሰናበተ ገሊጹ።

ተጻዋታይ ባፋና ባፋና ነበር ፒይናር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ሎሚ ኩዕሶ ካብ ምጽዋት ክሰናበት እንከለኹ፡ ንወላዲተይን ስድራቤተይን ከምኡ'ውን ነተን ኩለን ዝተጻወትኩለን ክለባትን ደገፍተንን ምስጋናይ ክገልጽ ይፈቱ፡" ኢሉ።

ንሃገሩ ልዕሊ 60 ግዜ ወኪሉ ዝተጻወተ ፒይናር፡ ሓደ ካብ'ቶም ደቡብ ኣፍሪቃ ዘፍረየቶምን ኣብ ወጻኢ ከይዶም ጽቡቕ ተፈላጥነት ዝረኸቡ ተጻዋታይ'ዩ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝጸንሓሉ፡ ምስ ክለባት ኤቨርተንን ሳንደርላንድን ከምዝተጻወተ ይፍለጥ።

ካልኦት ዝተጻወተለን ክለባት ኤውሮጳ ድማ ሆላንዳዊት ኣያክስ ኣምስተርዳምን ጀርመናዊት ጋንታ ቦሩሽያ ዶርትሙንድን የጠቓልል።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ እቲ ሓደ ካብ ዕውታት ኣፍሪቃውያን ተጻወትቲ ኣብ ኣውሮጳ ዝኾነ ፒይናር፡ ንሃገሩ 60 ሸቶታት ኣመዝጊቡ'ዩ

ፒይናር ናይ መወዳእታ ዝተጻወተላ ጋንታ ከኣ ሓንቲ ካብ ክለባት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኾነት ቢድቨስት ቨትስ'ያ።

ስቲቨን ፒይናር ማልያ ሃገራዊት ጋንታ ደቡብ ኣፍሪቃ ወድዩ ኣብቲ ብ2002 ኣብ ደቡብ ኮርያን ጃፓንን፡ ከምኡ'ውን ብ2010 ኣብ ሃገሩ ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም ዝተሳተፈ ተጻዋታይ'ዩ።

ኣያክስ ኣምስተርዳም፡ ኤቨርተንን ቦሩሽያ ዶርትሙንድን ብወገነን ንተጻዋታየን ዝነበረ ፒይናር ኣብ መጻኢ ህይወቱ ጽቡቕ ዕድል ክምነያሉ እንከለዋ፡ ኣብ ኤቨርተን ኣሰልጣኒ ፒይናር ዝነበረን ሕጂ ኣሰልጣኒ እንግሊዛዊት ክለብ ዌስትሃም ዘሎ፡ ዴይቪድ ሞይስ ኣብ ልዕሊ ፒይናር ፍሉይ ኣድናቖት ከምዝነበሮ ኣብዚ ቀረባ ምስ ቢቢሲ ኣፍሪቃ ኣብ ዝገበሮ ዕላል ገሊጹ ከምዝነበረ ይፍለጥ።