ኣብ ኣውሮፓ ዘጋጠመ በረድ ዝተሰከመ ንፋስ መገዲታት ንኽዕፀዉ ምኽንያት ኮይኑ

መዕልቦ ነፈርቲ ደብሊን ብበረድን ከቢድ ንፋስን ተወቒዑ Image copyright Reuters

ኣብ ኣውሮፓ ተፈጢሩ ብዘሎ ሓያል ዛሕልን በረድ ዝሓወሰ ንፋስን ቁፅሪ ዝሞቱ ሰባት ናብ 55 በፂሑ።

ዓለማዊ ትካል ጥዕና ብፍላይ ድኻታት፣ ገዛ ዘይብሎምን ስደተኛታትን ነቲ ዛሕሊ ተቓላዕቲ ከምዝኾኑ ሓቢሩ።

"ዛሕሊ ብዝፈጥሮም ሕማማት ኣብ ዝጥቅዑ ኣረጋውያን፣ ህፃናት፣ ሕዱር ሕማማት ዝነበሮምን ኣእምሮኣውን ኣካላውን ፀገማት ጥዕና ዘለዎምን ይርከብዎም" ክብል ኣብ መግለፂኡ ኣጠንቂቑ።

እቲ ዛሕሊ ኣብ እንግሊዝ "ኣራዊት ምብራቕ" ብዝብል ክፍለጥ ከሎ፡ ኣብ ሆላንድ ድማ "ድቢ ሳይቤርያ" ክብሉ ይፅውዕዎ።

ኣብ መዕልቦ ነፈርቲ ደብሊን ዝግበሩ ኣታውን ወፃእን በረራታት ተቛሪፆም'ዮም። ምስቲ ኣብ ኣገልግሎት ዝፍጠር ምትእጉጓል ድማ እቲ ምስራዝ በረራታት ክሳብ ፅባሕ ቀዳም ክቕፅል ከምዝኽእል ይግለፅ።

ኣብ ጀኔቫ ዝርከብ መገዲ ኣየር'ውን ትማሊ ሓሙስ በረራታቱ ክስርዝ ተገዲዱ'ዩ።

ኣብ ፈረንሳ ጥቓ ከተማ ሞንትፕሊየር ኣስታት 2,000 መኻይን ክንቀሳቐሳ ከምዘይከኣላ ይግለፅ። ገሊኦም እውን ን24 ሰዓታት ከይተንቀሳቐሱ ምፅንሖም ተዛሪቦም።

መዕልቦ ነፈርቲ ኣምስተርዳም'ወን ግዳይ እቲ ከቢድ ዛሕልን ንፋስን ኮይኑ'ሎ። መገዲ ኣየር KLM ድማ በረራታት ሰሪዙን ምድንጓያት ኣጋጢምዎን።