ብበረድ ንዝተትሓዙ ዘወርቲ መኪና ንምድሓን ሰራዊት እንግሊዝ ፃውዒት ቀሪቡሉ

መዕልቦ ነፈርቲ ደብሊን ብኸቢድ ንፋስን በረደን ተወቒዑ Image copyright Reuters

ብጠንቂ'ቲ ኣብ ኣውሮፓ የጋጥም ዘሎ ከቢድ ዛሕልን በረድን ዝሞቱ ሰባት 55 ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።

እቲ ኩነታት ዘተሓሳሰቦ ዓለማዊ ትካል ጥዕና ብፍላይ ድኻታት፣ መንበሪ ገዛ ዘይብሎምን ስደተኛታትን ብዝያዳ ተቓላዕቲ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ሓቢሩ።

"ኣረጋውያን፣ ህፃናት፣ ሕዱር ሕማማት ዘለዎም፣ ግዳያት ፀገም ኣካለውን ኣእምሮኣውን ጥዕና ዝኾኑ ሰባት ብሰንኪ ዛሕሊ ንሕማማት ካብ ዝቃልዑ'ዮም" ኢሉ።

ነቲ ዛሕሊ ዝተፈላለዩ ኣስማት ተዋሂብዎ'ሎ። ኣብ እንግሊዝ "ኣራዊት ምብራቕ" ክበሃል ከሎ፡ ሆላንዳውያን "ድቢ ሳይበርያ" ክብሉ ይፅውዕዎ።

ኣብ መዕልቦ ነፈርቲ ደብሊን ዝካየዱ ኣታውን ወፃእን በረራታት ተቛሪፆም። እዚ ምስራዝ በረራታትን ኣብ ኣገልግሎት ዝፍጠር ምትእጉጓላትን ክሳብ ቀዳም ከምዝቕፅል ተገሊፁ።

ኣብ ጀኔቫ ዝርከብ መዕርፎ ነፍርቲ'ውን ትማሊ ሓሙስ ተዓፅዩ ነይሩ። እቲ ዝተኣከበ በረድ ብምፅራግ ድማ ናብ ኣገልግሎት ተመሊሱ።

ኣብ ፈረናሳ ከተማ ሞንትፐሊየር ኣስታት 2,000 መኻይን መገዲ ክዕፀወን ከሎ፡ ን24 ሰዓታት መገዲ ዝተዓፀዎም ከምዝነበሩ'ውን ተዛሪቦም።

መዕርፎ ነፈርቲ ኣምስተርዳምን መገዲ ኣየር ኬኤልኤምን (KLM) እውን ሰሪዘንን ብዙሓት በረራታት ኣደናጉየንን።