ሸሞንተ ወተሃደራት ቱርኪ ኣብ ኣፍሪን፡ ሰሜናዊ ሶርያ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ተቐቲሎም

ወተሃደራት ቱርኪ ኣብ ጥቓ ዶብ ሶርያ Image copyright EPA

ሰራዊት ቱርኪ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ልዕሊ ኩርዳውያን ዕጡቓት ኣብ ኣፍሪን ወሳኒ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምጅማሩ እታ ናይ ትማል ውግእ እታ እንኮ ደማዊት መዓልቲ ኢያ ነይራ ነቲ ሰራዊት።

እዚ እናኾነ ከሎ፡ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ'ቲ ኣብ ሶርያ ዘሎ ኩነታት፡ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ'ታ ተኸርዲና ዘላ ምብራቓዊ ክፋል ከተማ ጉታ ክዝቲ ኢዩ ይብሃል።

ኣብታ ጥቓ ከተማ ደማስቆ እትርከብ ተቓወምቲ ዝቆጻጸርዋ ከተማ ጉታ፡ መንግስትን ደገፍቱን ቀጻሊ ደብዳብ ብምክያዶም ልዕሊ 580 ሰባት ተቐቲሎም ይብሃል።

እቶም ኣስታት 330,000 ኣብታ ከተማ ተኸርዲኖም ዘለው ሰባት ብናይ መግብን ኣፋውስን ሕጽረታት ተጠቒዖም ኣለው።

እቲ ብዛዕባ'ታ ከተማ ኣብ ጄኔቫ ብዓርቢ ክግበር ዝኾነ ዘተ ብመንግስቲ እንግሊዝ ኢዩ ተጠሊቡ።

እቲ ተነዲፉ ዘሎ ውሳነ ነቲ መንግስቲ ሶርያ "ገበርቲ ሰናይ ማሕበራት ናብቲ ቦታ ከይኣትዋ ምኽልካሉን ቀጻሊ መጥቃዕትታት ኣብ ልዕሊ ሕክምናዊ ትካላት ምክያዱን" ኣትሪሩ ከምዝቃወሞ የምልክት ኢሉ ነቲ ንድፊ ውሳነ ዝረኣየ ሮይተርስ ናይ ዜና ማዕከን።

ሰራዊት ቱርኪ ብሓሙስ ኣብዘውጽኦ ክልተ መግለጺታት ብዛዕባ'ቲ ዝወረዶ ጉድኣት ገሊጹ።

ኣብቲ ቀዳማይ መግለጺ "ሓሙሽተ ጀጋኑ ብጾት ተሰዊኦም ሸውዓተ ድማ ቆሲሎም" ክብል ከሎ፡ኣብቲ ካልእይ መግለጺ ድማ ሰለስተ ካልኦት ወተሃደራት ከምዝተቐትሉን ሽዱሽተ ድማ ከምዝቖሰሉን ገሊጹ።

ዋላ'ኳ ወግዓዊ ዝርዝር መግለጺ ብዛዕባ'ቲ ውግእ ኣይውሃብ፡ ዶጋን ዝተባህለ ናይ ውልቀ ናይ ዜና ማዕከን ከምዝበሎ እቶም ኩርዳውያን ዕጡቓት ጉርጓሕ [ታነል] ተጠቒሞም ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣብ ኬልቴፒ ዓስኪሩ ዝነበረ ፍሉይ ሰራዊት ቱርኪ ሓደጋ ከምዝወደቕዎም ገሊጹ።

ነቶም ውጉኣት ከተድሕን ዝተላእከት ናይ ቱርኪ ሄሊኮፕተር ስለዝተሃርመት ድማ ተልእኾኣ ከይፈጸመት ተመሊሳ ኢሉ እቲ ናይ ዜና ማዕከን።

መንግስቲ ቱርኪ ኣብ ልዕሊ እቶም ኩርዳውያን ዕጡቓት መጥቃዕቲ ካብትጅምር ንድሓር፡ ኣሽሓት ሲቭል ተቐማጦ ኣፍሪን ክስደዱ ተገዲዶም።

ናይ ቱርኪ መንግስቲ ከመዝበሎ እቲ ዕጡቕ ሚሊሻ ህዝባዊ ምክልኻል ኣሃዱ [ፒፕልስ ፕሮቴክሽን ዩኒት - ዋይ ፒ ጂ] ዝብሃል መቐጸልታ ናይቲ ዝተኣገደ ንሰላሳ ዓመታት ንርእሰ ምምሕዳር ኩርድ ዝተዋገአ ናይ ኩርድ ሰራሕተኛ ሰልፊ [ኩርዲስታን ዎርከርስ ፓርቲ - ፒ ኬይ ኬይ] ኢዩ።

እንተኾነ ዋይ ፒ ጂ ምስ ፒ ኬይ ኬይ ዝኮነ ዝምድና ከምዘይብሉ ገሊጹ።

ክልቲኦም ወገናት ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ እቲ ውግእ ብዘይምሃቦም ዓቕን ናይቲ ዝወረደ ጉድእት ንምግማቱ ኣጸጊሙ።

ነቲ ኩነታት ክከታተል ዝጸንሐ ናይ ሶርያ ናይ ሰብእዊ መሰላት ማሕበር ከምዝበሎ፡ ልዕሊ 141 ሰባት ከምዝተቐትሉ ኪገልጽ ከሎ፡ ቱርክሊ ግና ነቲ መግለጺ ኣሉ ብምባል እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ጥራይ ዝዓለመ ኢዩ ነይሩ ኢላ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት