"ቅድሚ 122 ዓመት ኣብ ዓድዋ ዝተነፀፈ ሰረት እናተጓሕጎሐ ከይኸውን" ፡ ፕሮፌሰር ገብሩ ታረቀ

ፕሮፌሰር ገብሩ ታረቀ

ፕሮፌሰር ገብሩ ታረቀ ናይ ታሪክ ምሁርን ተመራማሪ ጎንፅታትን እዮም። እቶም ምሁር ቅድሚ 122 ዓመት ኣብ ዓወት ዓድዋ ዝተነፀፈ ሰረት እናተጓሕጎሐ ከይኸውን ስግኣት ኣለዎም።

ክሳብ ሎሚ ሓድነት እታ ሃገርን ህዝብታትን ኣብ ሕቶ ዝወድቀሉ ምኽንያት "ዘይወዳእናዮ ዕዮ ገዛ ኣሎ ማለት እዩ" ይብሉ፥ ንቢቢሲ ትግርኛ።

"ሎሚ'ውን ብዛዕባ ኢትዮጵያዊነትን ምምስራት ብሄረ-መንግስትን ምዝርራብና መሕዘኒ እዩ"።

ሓደ ብሄር ኣብ ልዕሊ ካሊእ ብሄር ዝለዓለሉ ምኽንያት እንታይ ኮን ይኾን ክብሉ'ውን ይሓቱ።

ንሶም ከምዝብሉዎ፥ ገዛኢ ውድብ ኢህወደግን መንግስቲን እቲ አፋፍኖት ዲሞክራሲ ዓፊኑ ሒዙ እቲ ዕድል ንኣኽረርቲ ፖሊቲካ ገዲፉሎም ወፂኡ ከይኸውን ግምቶም የቕምጡ።

እቲ ፈተና ውሽጣውን ገዳማውን ምዃኑ ዝሕብሩ ፕሮፌሰር ገብሩ፥ ብፍላይ ሓደ ሓደ ኢትዮጵያውያን ዲያስፖራ ዝኽተሉዎ ዘለዉ ብሄር መሰረት ዝገበረ መንገዲ "መርዘኛ" ኢሎሞ።

ዝበደየ ሕገ መንግስቲ

ፕሮፌሰር ገብሩ ሰለስተ መንግስታትን ሰለስተ ሕገመንግስቲትን ርእዮም እዮም። ብመትከል ደረጃ ነቲ ሐዚ ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ሕገ መንግሰቲ ዝወዳደር ከምዘየለ'ውን ይዛረቡ።

እቲ ንዕኡ ስዒቡ ዝተተኸለ ስርዓት'ውን ከምኡ።

ይኹን'ምበር ፕረዚደንት ነበር ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ ቅድም ክብል ዘቕረቡዎም ናይ ምምሕያሽ ሓሳባት ተግባራዊ እንተዝግበሩ ይድግፉ።

ብብዙሕ ኣወንታዊ ጎኑ ዝለዓል ሕገ ምንግስቲ አመሪካ ዕውት ዝገብሮ እናተመሓየሸ ምመፅኡ ምዃኑ'ውን ከም መርአያ የቕርቡ።

ከምኡ'ውን ሕገ ምንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መሬት ምትርጓም ከምዘይተኽኣለ 'ዮም ዝዛረቡ። ነቲ ሐዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕማም ፖለቲካ ሓደ ቀንዲ ምኽንያት'ውን እዚ እዩ ይብሉ።

ንኣብነት እቲ ሕገ መንግስቲ ኣብ መንጎ ክልላትን ፌደራል መንግስትን ዘሎ ርክብን ክፍፍል ስልጣንን ሃፍትን ብግልፂ ዘቐመጠ'ኳ እንተኾነ ብተግባር ግን ተጥሒሱ'ዩ ይብሉ።

ብፍላይ ድሕሪ 1993 ዓ/ም ምግምማዕ ህወሓት፥ ስልጣን መንግስትን ውድብን ጠቕሊሎም ሒዞም ነይሮም ብዝበሉዎም ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር ኣይተ መለስ ዜናዊ፥ መሰላትን ስልጣንን እተን ክልላት ተጓዕፂፁ ፀኒሑ ይብሉ።

ድሕሪ ነዊሕ ግዜ እዚ በመናእሰይን ሓረስቶትን ኦሮምያ ዝተወለዐ ናዕቢ፥ እዚ ስዒቡ ምዃኑ ይዛረቡ።

"እቲ ናዕቢ ኣብ ሕደ እዋን ሃንደበት ዝመፀ ኣይኮነን። ናይ ብዙሓት ፀገማት ድምር ሳዕቤን'ዩ" ይብሉ።

ንሶም ከምዝብሉዎ፥ ብቐንዱ ነቲ ሕገ መንግስቲ ዕሽሸ ምባል፥ ናይ ሓደ ፓርቲ ዓብላላይነት ምፍጣር፣ እቲ ህዝቢ መሰላቱ ንምርግጋፅ ዘኽእሎ እናፀበበ ምምፅኡ ከም ኣብነት የልዕሉ።

ከምኡ ድማ ፍትሒ ምጥፋእን እቲ ህዝቢ መረረቱ ዘስመዐሉ መገዲ እናተዓፀወ ምምፃእን ከም ቀንዲ መንቀሊታት ይፀርሑ።

እቶም ምሁር ካሊእ ከም ቀንዲ ምኽንያት ዘልዕሉዎ፥ ጉዳይ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ዝተገብረ ምስፍሕፋሕ ትምህርቲ የድንቑ፥ ዋላ'ኳ ኣብ ፅሬቱን ፅፈቱን ዓብይ ሕቶ እንተሃለዎም።

ኢህወዴግ ስልጣን እንትሕዝ ካብ ክልተ ንላዕሊ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ከምዘይነበራ ይምስክሩ። ሎሚ ኣስታት 40 ዝኾና ዩኒቨርስታት ከምዘለዋ ብምሕባር።

"ይኹን'ምበር" ይብሉ ፕሮፌሰር፥ "ይኹን'ምበር በብዓመቱ በኣሻሓት ዝቑፀሩ ተምሃሮ ተመሪቖም ናብ ዝኣትውዎ የብሎምን። እቲ ኢኮኖሚ'ውን ክሽከሞም ኣይከኣለን። ሰኣኖ ስራሕ በቲ ቁፅሪ ልክዕ እዩ ወሲኹ" ይብሉ።

እዚ ኩነታት ብፍላይ ኦህዴድ ባዕሉ ክምርምርን ክፍትሽን ደፋፊኡዎ ይብሉ።

ባዓል ኣይተ ለማ መገርሳ ናይ ህዝቦም ውቅዒት ልቢ ተረዲኦም ይብሉ። ነቲ ፀገም ክፈትሑ ከምዝፈተኑ ብምሕባር።

ካብ ፍርሒ ዝመንጨወ አዋጅ

ይኹን'ምበር ኣርባዕቲኦም ብሄራዊ ኣባል ውድባት ኢህወዴግ፥ "ውሽጢን ፈቲሽና ኢና፡ ለውጢ ክነምፅእ ኢና" ኢሎም ይመፃብዑ 'ምበር እቲ ህዝቢ በቲ ስጉምቲ ከምዘይረኽዐ ይዛረቡ።

በዚ ምክንያት እቲ ናዕብን ጎንፅታትን'ውን ቀፂሉ እዩ።

እዚ ስዒቡ ሐዚ ንካልኣይ ግዜ ዝታወጀ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ "ብዕሊ ኣይተሓሰበሉን፥ ካብ ፍርሒ ዝመንጨወ" ድማ ይብሉዎ።

ካብቲ ዝሓለፈ እንታይ ትምህርቲ ከምዝተወሰደ'ውን ይሓቱ። ነቲ ኣጓኒፉ ዘሎ ፀገም መሰረታዊ ፍታሕ ከምዘይኸውን ብምሕባር።

እቲ ፍታሕ ብቐጥታ ምስቲ ዝምልከቶ ህዝቢ ወሪድካ ምዝታይን፥ ዋላ ብርቱዓት ኣይኹኑ ምስቶም ዘለዉ ተቓወምቲ ምልዛብን ምስ ምሁራን ምዝርራብን ጥራሕ ከምዝኾነ የረድኡ።

"እቲ ፍታሕ ህዝቢ ማእኸል ዝገበረ ክኸውን አለዎ፥ በዓል ዋና እቲ ጉዳይ ህዝቢ ባዕሉ እዩ። አዋጅ'ውን እንተተኣወጀ'ኮ ዝትግብሮ እቲ ህዝቢ ባዕሉ እዩ። ብታንክን መትረየስን ዘላቕነት ዘለዎ ለውጢ ክመፅእ ኣይኽእልን" ኢሎም።

እቲ ኣዋጅ ንግዚኡ እንተኾነ ዕረፍቲ ክህብ ከምዝኽእል ብምዝራብ።

ኢትዮጵያ ሐዚ ኣትያቶ ዘላ ሓድነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘወድቕ ቅልውላው፥ ኢህወዴግ ንበይኑ ክፈትሖ ዝኽእል ኣይኮነን'ውን ይብሉ፥ እቶም ምሁር።

እቲ ገዛኢ ውድብ እቲ መንቀሊ ፀገም ናይ ፈፃሚ ስራሕ ምባሉ'ውን ኣይቅበሉን።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብካድረታት ኢህወደግ ተመሊኡ፥ ፍትሒ ፈፂሙ የለን ኣብ ዝበሃለሉ እዋን፥ ንሓደ ጨንፈር እቲ ስርዓት ጥራሕ ፈሊኻ ተሓታቲ ምግባር ሐዝ'ውን እቲ ግንባር እቲ ፀገም መሰረታዊ ምዃኑ ዝተረደኣ ኣይመስለንን ኢሎም።

ተሓታቲኡ እቲ ግንባርን ንሱ ዝመስረቶ ስርዓትን ብሙሉኡ እዩ ድማ ይብሉ።

ኣብ መንጎ እቶም ኣባል ውድባት ዘሎ ዘይምትእምማንን ምጥርጣራትን ድማ እቲ ግንባር ባዕሉ ዝፈጠሮ 'ሓጥያት' ምዃኑ ይዛረቡ።

ብፍላይ ንኣባላትን ደገፍትን ዝግበር ሓገዝን ኣድልዎን ናብዚ ከምዘምርሕ እዮም ዝዛረቡ።

ናብ ግዕዝይና ከምዝደፋፍእ'ውን ይኣምኑ። "ግዕዝይና ናይቲ ስርዓት ቁስሊ ምልክት'ዩ" እውን ይብሉ።

"ስ ከበርቴ መደብ"

ኣብ መወዳእታ'ውን ካልእ ቀንዲ ፀገም ይትንትኑ።

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዝበሉዎ በዓል ሃፍቲ (ንኡስ ከበርቴ መደብ) ብሓደ ገፅ ሃፍትን ንብረትን ኣፍርዩ ኣብ ኢትዮጵያ ብነፃ ክንቀሳቐስ ይደሊ ይብሉ፥

ብኻሊእ ገፅ ድማ እቲ ስርዓት ኣብ ብሄር ዝተመስረተ ስለዝኾነ፥ ነናይ ባዕሉ ክልሉ ሓፂሩ 'እዚ ናተይ፥ እዚ ናትካ' ምባል ምጅማሩ ሓደገኛ ዝንባለ ምዃኑ ይዛረቡ።

"እቲ ፅባሕ ክንሪኦ እንምነዮ ሃገራዊ ሕብረትን ምትእስሳርን በዚ መንገዲ ክዕወት ኣይኽእልን" ይብሉ።

ኢትዮጵያ ሐዚ ኣትያቶ ዘላ መዓሙቅ ቅልውላው ናይዚ ዓይነት ፖለቲካል ኢኮኖሚ ነፀብራቅ ምዃኑ ድማ ይድምድሙ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ