ኣብዚ ሰሙን ዝዕወታ ጋናታታት ፕሪምየርሊግ መነመን'የን?

ማን ሲቲ - ቸልሲ Image copyright BBC Sport

ኣርሰናልን ማን ሲቲን ኣብ ውሽጢ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ኣፈላላይ ተራኺበን ሲቲ ተዓዊታላ።

ክልትኤን ጋንታታት ምስ ካልኦት ጋንታታት ዝገብርኦም ፀዋታታት ሰንበት ክካየዱ'ዮም።

ብራይተንን ኣርሰናልን ዝገብርኦ ግጥም ብማዕረ ውፅኢት ከምዝውዳእ ተንታኒ ስፖርት ቢቢሲ ማርክ ላውረንሰን ይገልፅ።

ቀዳም

ርንለይ - ኤቨርተን

Image copyright BBC Sport

በርንለይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝነበሮም ግጥም ተዓዊትና ኢሎም ኣብ ዝተኣማመኑሉ ሰዓት ብዝተቖፀረት ሸቶ ምስ ሳውዝኣምፕተን ብማዕረ ውፅኢት ተፈላልዮም።

ኤቨርተን ድማ ካብ ሜድኣ ወፃኢ ዘለዋ ውፅኢት ዝደኸመ'ዩ። ኣብዚ ዓመት ካብ ሜድኣ ወፃኢ ካብ ዝገበረቶም 14 ግጥማት ሓደ ጥራሕ ተዓዊታ።

ግምት ላውሮ፡ 1-1

ሌይስተር - በርንማውዝ

Image copyright BBC Sport

ሌይስተር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ስቶክ ኣብ ዝነበሮም ፀዋታ ተዓዊቶም ክወፁ ምተገብአ።

በርንማውዝ ምስ ኒውካስል ኣብ መወዳእታ ፀዋታ ብማዕረ ተፈላልዮም። ኣብ ዝተወድአ ሰዓት ነጥቢ ብምርካብ ኣብቲ ፕሪምየርሊግ ፅቡቕ ቦታ እናሓዙ እዮም።

ግምት ላውሮ፡ 2-0

ሳውዝኣምተን -ስቶክ

Image copyright BBC Sport

ኣሰልጣኒ ስቶክ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ፀዋታታት ሓደ ግዜ ጥራሕ ተሳዒሮም። ኣፀዋውትኦም'ውን ደሓን ዝበሃል'ዩ።

ክልቲኤን ጋንታታት ውፅኢት'ኳ እንተድለየን፡ ሳውዝኣምተን ግን ዝሓሸ ዕድል ኣለዋ።

ግምት ላውሮ፡ 2-0

ስዋንዚ - ዌስት ሃም

Image copyright BBC Sport

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ስዋንዚ ከምእትዕወት ትፅቢት ገይረ ነይረ። ማዕረ ክትወፅእ'ውን ተፀብየ ግን ድማ ብብራይተን ተሳዒራ።

ኣብዚ ፀዋታ ካብ ሓደጋ ምውራድ ብሰለስተ ነጥቢ ጥራሕ ርሒቓ እትርከብ ዌስት ሃም ነጥቢ ክትረክብ ግድን'ዩ።

ግምት ላውሮ፡ 1-1

ቶተንሃም - ሃደርስፊልድ

Image copyright BBC Sport

ሃደርስፊልድ ብድሕሪ'ቲ ድኹም ዝባሃል ጉዕዞ ብተኸታታሊ ክልተ ፀዋታታት'ኳ እንተስዓረት፡ ኣብዚ ፀዋታ ግን ክትዕወት'ያ ንምባል ይኸብድ'ዩ።

ቶተንሃም ኣብቶም ዝሓለፉ 16 ፀዋታታት ኣይተስዓሩን።

ግምት ላውሮ፡ 2-0

ዋትፎርድ - ዌስት ብሮም

Image copyright BBC Sport

ዋትፎርድ ንኤቨርተን ብምስዓር ንዘይምውራድ ንእትገብሮ ጉዕዞ ተስፋ ረኺባ'ያ።

ዌስትብሮም ብወገና ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ፀዋታታት ብተኸታታሊ ተዓዊታ።

ግምት ላውሮ፡ 2-1

ሊቨርፑል - ኒውካስል

Image copyright BBC Sport

ኩሉ ሰብ ብዛዕባ ብቕዓት ሞሓመድ ሳላህን ሳድዮ ማኔን ምዝራብ ይመርፅ። በዚ ምኽንያት ክእለት ሮቤትቶ ፊርሚንዮ ዝተረስዐ ይመስል።

ኣብቲ ፀዋታ ኣሰልጣኒ ኒውካስል ራፋኤል ቤኒቴዝ ነታ ናይ ቀደም ጋንትኦም ከገጥሙ ውፅኢት ክረኽቡ ኣይኽእሉን።

ግምት ላውሮ፡ 2-0

ሰንበት

ብራይተን - ኣርሰናል

Image copyright BBC Sport

ቀፃሊ ስጉምቲ ኣርሰናል እንታይ ክኸውን ይኽእል? ኣርሰን ዌንገር ምስታ ጋንታ ከምዘይፈላለዩ'ኳ እንተገለፁ፡ ንሶም እንከለው ግን እታ ጋንታ ለውጢ ኣይክተምፅእን።

ብራይተን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንስዋንዘሲ ብድሕሪ ምስዓሮም፡ ኣብዚ ፀዋታ ብማዕረ እንተተፈላልዮም'ውን ዝቕበልዎ ይመስለኒ።

ግምት ላውሮ፡ 1-1

ማን ሲቲ - ቸልሲ

Image copyright BBC Sport

ኣብ ቸልሲ እምነት ስለዘይብለይ፡ ማንቸስተር ዩናይትድ ከምእትዕወት ገሚተ ነይረ። ንማን ሲቲ'ውን ኣብ ሜዳ ኢትሃድ ገጢሞም ተመሳሳሊ ውፅኢት ክረኽቡ እዮም።

ማንቸስተር ሲቲ ንዋንጫ ካራባኦ ምዕታሮም ይዝከር። እዚ ድማ ናብ ካልኦት ዓወታት ዘላዓዕል'ዩ።

ምት ላውሮ፡ 2-0

ሰኑይ

ክሪስታል ፓላስ - ማንቸስተር ዩናይትድ

Image copyright BBC Sport

ማንቸስተር ዩናይትድ ምስ ቼልሲ ኣብ ዝነበራ ፀዋታ፡ ኣብ ካልኣይ ፍርቂ ፀዋታ ዝሓሸ ምንቅስቓስ ነይርዎም። ሕዚ'ውን ነዚ ኣጠናኺሮም ክቕፅሉ ኣለዎም።

ክሪስታል ፓላስ ካብ ሓደጋ ምውራድ ይርከቡ። ኣብ ቅድሚኦም'ውን ምስ ቸልሲን ሊቨርፑልን ዝግበሩ ፈተንቲ ፀዋታታት ይፅበይዎም።

ግምት ላውሮ፡ 0-2