ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ኣፅዲቑ

ትእምርቲ ባንዴራ ኢትዯጵያ

እቲ ብ9 ለካቲት 2010 ዓ/ም ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝተኣወጀ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ብዓብላላይ ድምፂ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ፀዲቑ።

ካብ ዕረፍቶም ንህፁፅ ኣኼባ ዝተፀውዑ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ ነቲ ብቤት ምኽሪ ሚንስትራት ዝተኣወጀ ኣዋጅ ኣፅዲቖም።

ንሽድሽተ ኣዋርሕ ዝፀንሕ እዚ ኣዋጅ ድጋፍ 346 ኣባላት ክረክብ ከሎ፡ 88 ንምፅዳቑ ተቓዊሞም።

ሸውዓተ ድማ ድምፆም ብድምፀ ተኣቅቦ ተመዝጊቡ።

ንኻልኣይ ግዜ ዝተኣወጀ ኣዋጅ፡ ንሕገ-መንግስትን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትን ከምኡውን ውሕስነት ዜጋታት ካብ ሓደጋ ንምሕላው ከምዝተኣወጀ እቲ ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ኣመልኪቱ።

እቲ አዋጅ ኣብ መላእ ሃገር ዝትግበር ኮይኑ፥ ነዚ ዘፈፅም ብሚኒስትር ምከልኻል ሃገር ኣይተ ሲራጅ ፈጌሳ ዋና ሴክሬታሪነት ዝምራሕ ኮማንድ ፖስት ተጣይሹ።

ናብ ስራሕ ድማ ኣትዩ'ሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት